https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/11506
ኣክሱም ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ን 2012 ዓ/ም ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቐሑት፣ ናይ ፅሬት ኣቅሑት ፣ናይ ሸቀጣ ሸቀጥ ኣቅሑት፣ ንምዕዳግ ስለዝደለየ ሕጋዊያን ነጋዶ ክትጫረቱ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጉንበት 8, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 19, 2012 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ኣክሱም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጉንበት 19, 2012 08:45 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኣቅርቦት ምግቢ / ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ስለዚ ካብ ዕለት 04/09/2012ዓ/ም ክሳብ ዕለት 19/09/2012 ዓ/ም ሰዓት 6:00 ቅድሚ ሰዓት አብ ኮሌጅና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ዝተዳለወ ሰነድ ንሕድሕድ ዘይምለሰ ብር 30.00 ከፊልኩም ብምውሳድ መወዳደሪ ዋጋ መሊእኹም ሕድሕድ ሰነድ በበይኑ ምስ ዶክሜንቱ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዘዳላናዩ ሳንዱቅ ምእታው ትኽእሉ።

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን ብክልቲኡ ገፅ ሓደኮፒ ተቕርቡ፤

2 መለለይ ቁፅሪ/TIN/ ዘለኩምን ሓደ ኮፒ ተቕርቡ፤

3 ተወሳኪ እሴት ታክሲ /ቫት/ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መጋቢት 2012ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩምሉ ሓደ ኮፒ ተቕርቡ

4 ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለኩምን ኮፒ ተቕርቡ ኩሉ ተቅርብዎ መረዳአታ ብግልፂ ዝንበብ ከኸውን ኣለዎ።

5 ንፅሕፈት መሳርሒ ንኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ቫት ዝተመዝገብኩም ጥራሕ ትወዳደሩ፤

6 ንጨረታ መክበሪ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብር 5000.00 ፣ ንኣቅሑት ፅሕፈትን ኣቅሑት ፅሬት 2000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ብስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ትኽእሉ

7 ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታ ኣብ ኣክሱም ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናስን ንብረት ምምሕዳር ጨረታ

ጨረታ ዕለት 19/09/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:45 ድሕሪ ሰዓት ዝክፈት ኮይኑ እቲ ማዓልቲ ዝወዓለሉ  በዓል እንተኮይኑ ንፅባሒቱ በቲ ሰዓት ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ዝኽፈት ኮይኑ ዘድሊ መረዳእታ ጨረታ ምኽበሪን አማሊኡ ኣብ እዋን ጨረታ ምክፋት ዘይተረኸበ ተወዳዳራይ ከምዝሎ ተሓሲቡ ክወዳደርን ንዘሸነፎ ከቕርብን ይግደድ

8 ካብቲ ንጨረታ ዝወፀ ንብረት 20% ክቅንስን ክውስክን ከምንክእል፤

9 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ዶክሜንት ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልይዎን ተቐበልነት አይህልዎን።

10 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብኣካል ብምምፃእ ወይም ብስልኪ ቁፅሪ 09 23 45 44 09 ምድዋል /ምሕታት/ ይከኣል፤