https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/11479
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንዳ መኾኒ ነቲ ወረዳ ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሕፈት መሳርሒን ፣ ኤሌክትሮኒክስን ፣ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነትን ዘለኩም ነጋዶ ካብ 07/09/2012ዓ/ም ክሳብ 24/09/2012ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልታት ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ከተማ ማይጨዉ ኣብ ጥቃ ቴክኒክ ኮሌጅ ዝርከብ ወረዳ እንዳሞኮኒ ትልምን ፋይናንስ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን መፂኡኩም ጨረታ ሰነድ ንክትወስዱ ንሕብር፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 7, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 24, 2012 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መኮኒ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጉንበት 24, 2012 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግድን መቅረባይነትን

2  ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ቀረባ ወርሒ ሒሳቡ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

3 መከበሪ ጨረታ 5000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም፤

4 እቲ ጨረታ 24/09/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት፡፡

5 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347-770419 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡