https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/11427
ቤት ፅሕፈት መባእታዊ ሆስፒታል መርዙእ ወረዳ ፀገዴ ካብ ስሩዕ በጀት ን 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ንቤት ዕዩኡ ኣገልግሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት ፣ መሳርሒ ፅሬት፣ መሳርሒ ሕትመት፣ ደንቢ ክዳን ፣ ፕላንት ማሽነሪ ኣቅሑትን ፣ ንህንፃ ናይ ገዛ ኣቅሑትን ፣ ንህንፃ ተገጣጠምቲ መግዝኢ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 3, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 18, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጉንበት 18, 2012 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ኣቁሑትን/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

1 ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎምን ወረቀት መቅረባይነት ከቅርቡ ዝክእሉን

2 በቲ ዘፈር መለለይ ቁፅሪ ካፋሊ ግብሪ ዘቅርቡ

3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረዱሉ መረዳእታ ዘቅርቡ

4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 03/09/2012ዓ/ም ክሳብ 17/09/2012ዓ/ም ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር/ንብረትን ንሕድሕድ ሰነድ  50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ

5 መኸበሪ ጨረታ ንሕድሕድ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

6 ጨረታ ዝካየደሉ ቦታ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር/ንብረትን ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ 18/09/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓሽጉ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 ሰዓራይ ተጫራታይ ካብ ዝሰዓሮ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ብምቅራብ ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ መጠን ገንዘብ 10 ሚኢታዊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእልን በቲ ዝርዝር መዐቀኒ እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር/ንብረትን ዘቅርቡ

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

9 እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ ን 35 ናይ ስራሕ ማዓልቲ ይከዉን

ንተወሳኪ ሓበሬታ 09 14 68 96 30 /09 36 31 22 41