https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/11398
ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓለፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ዘለዉ ንብረታት ማለት እዉን ፣ 1 ኮምፒተር ኮር 17 በዝሒ 2 2 HP ላፕቶፕ ኮር 17 በዝሒ 1 3 ታፕሌት ሞባይል በዝሒ 2 4 መቀመጢ ማይክሮፎን በዝሒ 4ተ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 29, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 10, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጉንበት 10, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ናይ 2012ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑን ናይ ወርሒ መጋቢት 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጡሉ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ዉሕስና ጨረታ 10% ብመልክዕ  ብስፒኦ ወይ ድማ ካብ ባንኪ ብዝተወሃበ ዝተረጋገፀ ቼክ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 28/08/2012ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቢሮ ቁፅሪ 308 ክትወስዱ ትክእሉ

4 ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን መሊኢኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቢሮ ቁፅሪ 409 ከተቅርቡ እትክእሉ

5 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 28/08/2012ዓ/ም ጀሚሩ ን 10 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዝፀንሕ ኮይኑ 10/09/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ 4ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 409 ይክፈት

6 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ዉዕሊ አሲሩ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልታት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ ከረክብ አለዎ

7 እቲ ቤት ዕዮ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 41 05 44 /03 44 41 05 46