https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/11396
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ካብ መንግስታዉን ዘይመንግስታዉን ገበርቲ ሰናይ ዝተረከበ በጀት ንኣብያተ ፅሕፈት ወረዳ ዓድዋ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ እቅሑት ፅሬት፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ መቀያየሪ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል፣ መሳርሒ ህንፃ፣ ባህር ዛፍ፣ ከባቢያዊ ማተርያል ፣ ጎማ መኪና ምስ ካላማደርያ ፣ ፈርኒቸርን ፣ ናይ ኢነርጂ መሳርሕታት ሞልድ ፣ ካዝና መትሓዚ ገንዘብ፣ ክራይ ትራክተር፣ ዘርኢ ናይ ሳዕርታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 29, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 14, 2012 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ዓድዋ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጉንበት 14, 2012 03:15 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ፍዮሪን ሆልቲካልቸር/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ማሽነሪ ክራይ/

1 ተጫረቲ ውሽጢ ዓዲ በበዚ ዘፈሩ ዝተሐደቐሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ፤

2 ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገብኩምን መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎ ዋና ምስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ተጫረቲ ውሽጢ ዓዲ ናይ 2012 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጉባትን ናይ ወርሒ መጋቢት 2012 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጡን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል፤

5 መከበሪ ጨረታ ፣መሳርሒ ፅሕፈት፣ መሳርሒ ህንፃ፣ኤሌክትሮኒክስን ፣ መቀያየሪ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል፣ ጎማ መኪና ምስ ካላማደርያ ፣ ንሕድሕድ ሰነድ መኸበሪ ጨረታ 10,000.00 ቅርሺ፣ ንዝተረፉ ግን 5,000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 መጋዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ክሳብ ጣብያ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ክሽፍኑ ዝክእሉ፤

7 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 30 መዓልቲ ይከዉን።

8 ሰዓራይ ኮይኑ ዘቅረቦ ዝሰዓሮ ብዝምልከቶ በዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ርኽክብ ይፍፀም።

9 ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 50.00 ቅርሺ እንዳከፈልኩም ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት29/08/2012ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ቢሮ ቁፅሪ 7 በምዉሳድ ትክእሉ።

10 መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ዕለት 14/09/2012 ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:15 ንጉሆ ይክፈት።

11 መቃያየሪ ኣቅሑት ሞተር፣ ባህር ዛፍ ፣ ጎማ መኪናን ካላማደርያን ፣ ናይ ኢነርጂ መሳርሕታት ሞልድን ፣ ካዝና ዝምልከት 14/09/2012 ዓ/ም ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 5:15ይክፈት።

12 መሳርሒ ህንፃ ፣ ከባቢያዊ ማተርያል፣ ዘርኢ ናይ ሳዕርታት 14/09/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8፡15 ይክፈት

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347-712321 / 71 21 60 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።