https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/11320
ኤጄንሲ ሓለዋ ስነ ከባቢ አጠ/ምም/ርን ገፀር መሬት ክ/ትግራይ ናይ UIIGDP ኣብአፈፃፅማ ስርዓት ምሕደራ ስነከባቢነ ማሕበራዊ ጉዳያት / ESMF/ 12 ከተማታት ናይ ክዋኔ ኦዲት ንዘካየዳ ፅንዓት ግልጋሎት ምኽሪ /ኮንሳልታንሲ/ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ንምስራሕ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 22, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 7, 2012 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:4000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጉንበት 7, 2012 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ፋይናንሻል ኮንሳልታንሲይ/ ኣካዳሚይ ኮንሳልታንሲይ/

1 ተወዳደርቲ ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ፣ ቲን ናምበር ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ

2 ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ምዉሳድ ይካኣል

2 ተወዳደርቲ እዚ ሰነድ ካብ 2ይ ፎቕ ዝርከብ ዕደጋን ፋይናንስ ብምዉሳድ ዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሰነድ ፕሮፎርማ ናይቲ ትካል ማሕተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ብስምዒ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ናብ 2ይ ፎቕ ዝርከብ ዕደጋን ፋይናንስን ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ይገብሩ

3 እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 22/08/2012ዓ/ም ክሳብ 07/9/2012 ተመሊኡ ምስተመለሰ ዕለት 07/09/2012 ሰዓት 9፡00 ተዓፅዩ 9፡30 ድማ ይክፈት

4 ጨረታ መኸበሪ ቅድሚ ጨረታ ምክፋ ብ ባንኪ በዝተረጋገፀ ቸክ ፣ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይም ብጥረ ገንዘብ ካብ 4000.00 ይከዉን

5 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓ እዋን ንተኸታታሊ 35 መዓልቲ ይፀንሕ

6 ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 44 41 71 04 ምሕታት ይካኣል እዩ