https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/11250
ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ትግራይ ካብ ናይ ኤስዲ በጀት ዝተረከበ ን 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ንዝርገሐ ኤሌክትሪክ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ኤሌክትሪክ ኮንክሪት ፖልን ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ትራንስፎርሞርን፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሚያዝያ 17, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 3, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጉንበት 3, 2012 05:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገበ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ዲክላሬሽን ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

4 በቲ ዘፈር መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑ ናይ ዝመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት ዋናን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ መወዳደሪ ዶክሜንት ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ፣ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማሕተምን ፌርማን ዘለዎ ክከዉን ይግባእ

6 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር ጨረታን ሰነድ ጨረታ ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት አንድስትሪ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 803 ካብ ዕለት 17/08/2012 ዓ/ም ክሳብ 03/09/2012 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ 50.00 እናከፈልኩም ብምዉሳድ ክትወዳደሩ ይዕድም

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መከበሪ ሰነድ ጨረታ ብር 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ ብር/ ጥራሕ ብሽም ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ትግራይ ብሲፒኦ ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል፤

8 እቲ ጨረታ ዕለት 03/09/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ኣብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት አንድስትሪ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 804 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኩን ኣብ ዘይተረከብሉ ይክፈት።

9 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0342-417506 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል