https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/11225
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕላ ናይ ኣደራሽ ሳዉንድ ሲስተም ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሰርሕ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 15, 2012 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 29, 2012 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10,000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 29, 2012 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ምልላይ ኣቁሑታት/

1 ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፈቃድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ቫት ምዝገባ ሰርተፊኬት፣ ናይ ለካቲት 2012ዓ/ም ቫት ዲክልረሽን ከቅርቡ ዝኽእሉ

2 መኸበሪ ጨረታ ብር 10000ቅርሺ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ስፒኦ ብሽም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ከትሕዙ ዝኽእሉ

3 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኬዝ ቲም ዕደጋ ካብ ዕለት 14/08/2012ዓ/ም ጀሚሩ  ዘይምለስ 50 ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካኣል

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 29/08/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት

5 ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ኣብ ዝምረፀሉ እዋን 20 ሚኢታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰል አለዎ

6  ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 45 59 34 11 /03 42 40 87 57