https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/10951
ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ወረዳ ጉሎመከዳ ከተማ ፋፂ ቀወምቲ ኣቅሑት ፈርኒቸር ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፣ ሃለቅቲ ኣቅሑት ፅሬት፣ ኣቅሑት ህንፃ መሳርሒ ፣ ሃለቅቲ ኣቅሑት ፅሕፈት መሳርሒ፣ ተሽከርከርቲ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መጋቢት 12, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 28, 2012 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10,000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መጋቢት 28, 2012 05:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ምስቲ ስራሕ ኣግባብነት ዘለዎ ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም፤

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም ፣ ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ፣ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለኩም፣

3 ናይ ጨረታ መክበሪ 10000.00 ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይዉን ብጥረገንዘብ ብር ከትሕዙ ዝክእሉ፣

4 ሰዓራይ ጨረታ ምዃኑ ምስተነገሮ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልትታት ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል፤

5 ተጫረቲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዝተዳለወ ዝርዝር ጨረታ ኣብ ቁፅሪ ክፍሊ 06 ዘይምለስ 100.00 ብምኽፋል ካብ 08/07/2012ዓ/ም ክሳብ 28/07/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ክትወስዱ ትኽእሉ፤

6 ጨረታ 28/07/2011ዓ/ም ሰዓት 4:30 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ይኽፈት።

7 ዘእተውዎ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ ትካሎም ማህተምን ፌርማን ብዘለዎ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክኣቲ ይግባእ።

8 ኣብቲ ትመልእዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩዎ ድማ ፌርማ በዓል ዋና እንተዘይዓሪፍዎ ውድቂ ይኸውን።

9 ተጫረቲ ጨረታ ዝመልእዎ ሰነድ ናይ ቤት ፅሕፈቶም ማህተም ዝዓረፎ ብዋና (ኦርጅናል) ተመሊኡ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ።

10 ተጫረቲ ዘድልዩ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ፈላለዮም ከቅርቡ ኣለዎም።

11 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ፋፂ ዘቅርቡ ክኾኑ ኣለዎም።

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0344-340384 ሞባይል 0914-522099 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።