https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/10838
ማእኸል ቤት ህንፀት ሑመራ ካብ ናይ 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ካብ ዝተመደበሉ ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑት ፣መሽነሪ፣ ህንፃ መሳርሒ ፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ካልኦት ደቀቅቲ ንብረታትን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 4, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 21, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ሐመራ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:40
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መጋቢት 21, 2012 05:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ተወዳደርቲ በቲ ዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎምን ናይ ሕድሳት ግዚኡ ዘይሓለፎን መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ከቅርቡ ኣለዎም።

2 ተመዝገብቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝኾኑን መቅረበይነት ዘለዎምን ናይ ወርሒ ጥሪ 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

3 ተጫረቲ ዝወዳደርሉ መወዳደሪ ዋጋ ብዝድለ መሊኦም ብንፁር ሽም ኣድራሻ ፊርማን ማህተምን ገይሮም ብዝተኣሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኖም ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

4 ተወዳደርቲ ዝርዝር መረዳእታ ናይቲ ንብረት ዝገልፅ ቴክኒክ መገምገሚ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኖም ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

5 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ 04/07/2011ዓ/ም ክሳብ 21/07/2011ዓ/ም ኮይኑ ዕለት 21/07/2012ዓ/ም  ሰዓት 4:00 ቅ.ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 5:00 ቅ.ሰዓት ይኽፈት።

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር መረዳእታ ዘይምለስ 40.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ቤት ህንፀት ሑመራ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ቁፅሪ 01 ምውሳድ ይኽእሉ።

7ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ንተኸታታሊ 20 መዓልቲ ይኸውን።

8 እቲ ማእኸል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-480631/0859ደዊሎም ምሕታት ይከአል።