https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/10817
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን እንደርታ ናይ 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ነቲ ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ዝተፈላለዩ ሴክተራት ፅሕፈት መሳርሒ ፣ ናይ ፅሬት ናዉቲ፣ ናይ ሕትመት ስራሕቲ ፣ ናይ ሞተር መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ህንፃ መሳርሒ ፣ ኤሌክትሮኒክስ ናዉቲ፣ ናይ ቢሮ ናዉቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 3, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 16, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:እንደርታ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መጋቢት 16, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 በዚ ዘፈር ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን ግብሪ ዝከፈለን ክከዉን አለዎ

2 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምዝገባ ምስክር ወረቀት

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብትን ናይ ወርሒ ጥሪ ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ

4 መለለይ ቁፅሪ ግብሪ ወይ ቲን ቁፅሪ ዘቅርቡ

5 ተጫረቲ ናይ ዝተፈላለዩ ሴክተራት ፅሕፈት መሳርሒ ናይ ፅሕፈት ናዉቲ ናይ ሕትመት ስራሕቲ ናይ ሞተር መለዋወጢ ናዉቲ መሳርሒ ፣ ኤሌክትሮኒክስ ናዉቲ፣ ናይ ቢሮ ናዉቲ በበዚ ዘርፉ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ወረዳ እንደርታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 2ተ ምዉሳድ ይካኣል

6 ተጫረቲ ሕድሕድ ዘርፊ መኸበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ  3000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

7 ጨረታ ዝፀንዓሉ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት  01/07/2012ዓ/ም  ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝካኣል ኮይኑ 16/07/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ኣብ ክልተ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ብምፈላይ ጠቅላላ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ይግባእ

9 ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻ ማህተም ፌርማ ክህልዎ ኣለዎ

10 ብተወሳኪ ድማ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን

11   ቤት ፅሕፈትና 20 ሚኢታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰል አለዎ

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 42 40 04 03