https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/10774
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ መቐለ ንኹለን ቤት ፅሕፈታት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ዕድጊት ፣ ሓደሽቲ ሳይክላት ኣክሰሰሪ ምግጥጣም ናይ ጉልበት ዋጋ ፣ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ክጋጣጥምን ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም የካቲት 28, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 14, 2012 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:4000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መጋቢት 14, 2012 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ፅገና ሞተርሳይክል/

1 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ዝተሓደሰ መቅረባይ ሰርተፊኬት፣ ቫት ምዝጋባ ሰርተፊኬት ናይ ታሕሳስ 2012ዓ/ም ቫት ዲክልረሽን ከቅርብ ዝክእል

2 መኸበሪ ጨረታ ናይ ኤሌክትሮኒክስ 4000.00 ብር ናይ ሳይክል ኣክሰሰሪ ምግጥጣም 3000.00 ብር ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ብስፒኦ ብሽም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ መቐለ ከትሕዙ ዝኽእሉ

3 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ መቐለ ኬዝቲም ዕደጋ ካብ ዕለት 27/06/2012ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ 50 ብር  ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካኣል  

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 14/07/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ጨረቶኦም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ኮፒ ጠቅላላ 02 ፖስታ ከቅርብ ኣለዎ

6 ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ኣብ ዝመረፀሉ እዋን 20 ሚኢታዉ ናይ ምዉሳኽ ወይ ናይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

8 ኣድራሻና ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ክፍሉ ቁፅሪ 034 እዩ

9 ንተወሳኺ ሓበሬታ 03 42 40 87 57  /03 42 40 87 57 ደዊልካ  ምሕታት ይካኣል