https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/10705
ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሓ.ዝተ.ው.ማሕበር ዘገልገለ ሪሳይክል 2 ሚኢቲ ሽሕ ኪ.ግ /ታርጂ 50 ሺሕ ኪ.ግ ስራሕ ፍቃድ ንዘለዎም ተጫረትቲ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ። ስለዝኾነ እዚ ዝስዕብ ረቋሒታት ዘማልኡ ታጫረትቲ ንክጫረቱ ይዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ የካቲት 25, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 3, 2012 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ መጋቢት 3, 2012 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 እዚ ጨረታ እዙይ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ፕሮፎርማ (ናይ ዋጋ መቅረቢ) በሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ 03/07/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ናብ መሰቦ ሲሚንቶ ፋብሪካ ክቕረቡ ኣለዎም።

2 ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ናይቲ ስክራፕ ኩነታት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 24/06/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 03/07/2012 ዓ/ም ብኣካል ስክራፕ ንብረት ኣብ ዝርከበሉ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሓ.ዝተ.ው.ማሕበር ሓፁር ውሽጢ መፂኦም ክርከቡ ይኽእሉ እዮም።

3 ጨረታ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 100.00 እናኸፈሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ይኽእሉ።

4 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ፎቶ ኮፒ ምስ ጨረታ ሰነዶም ከቅርቡ ኣለዎም።

5 ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ ውሕስና ናይቲ ዘትሐዝዎ ጠቅላላ ዋጋ 2 ሚኢታዊ ብመልክዕ ሲፒኦ ከቅርቡ ኣለዎም።

6 እቲ ጨረታ 03/07/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ መዓልቲ ሰዓት 9:00 ተጫረትቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት።

7 ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሓ.ዝተ.ው.ማሕበር እቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-409272 ምሕታት ይከኣል።