https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1048
ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ዞባ ምብራቅ ን 2008 በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ናዉቲ ፅሬትን፣ ካልኦት ደቀቅቲ ንብረታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ዝስዕብ ረቀሒ እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ታሕሳስ 16, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 6, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 6, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/
  1.  ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ዝኮንኩም
  2.  ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎን
  3.  ሓዱሽ መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘን
  4. ከምኡዉን መለለዩ ቁፅሪ ከፋልነት ግብሪ ከቅርብ ዝከእል
  5.  ሰነድ ጨረታ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ዞባ ምብራቅ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ክፍሊ ቁፅሪ 8 ምዉሳድ ይከኣል
  6.  መክበሪ ጨረታ 5,000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ብ ሲፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተዉሃበ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል
  7.  ንዝሰዓረ ተጫራታይ ዉዕሊ ድሕሪ ምፍራም ዝተትሓዘ መክበሪ ጨረታ ንዝተሰዓሩ ተጫረቲ ይምለስ
  8.  ዕዳጋ ፈፃሚ ኣካል ዝሓሸ መንገዲ ወይ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ  ዝተሓለወ እዩ
  9.  ጨረታ ካብ 15 ታሕሳስ 2008 ዓም ክሳብ 6 ጥሪ 2008 ዓም ንተጫረቲ ክፍቲ ኮይኑ ይፀንሕ
  10.  ጨረታ 6 ጥሪ 2008 ዓም ሰዓት 3 ፡00 ንጉሆ ተዓሺጉ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብቲ ዕለት ንጉሆ ሰዓት 4፡00 ይክፈት
  11.  ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ዝኮንኩም ናይ ወርሒ ሕዳር 2008 ዓም ሒሳብ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቅርብ እትክእሉ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብ ስልኪ ቁፅሪ 0344452018/ 0914180803 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል