https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/1043
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንዳ ሞኸኒ ንኣብያተ ፅሕፈት እቲ ወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕል ብናይ ሴፍትኔት በጀት መሳርሒ ህንፃ፣ መለዋወጢ ኣቁሑት ማይ ቡንባ ፣ንናይ ንህቢ ምርባሕ ዘገልግል ኣቁሑት ብናይ ኤስኤምፒ ብፕሮፎርማ ጨረታ ኣወዳዲሩ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ካብ ዘለዎም ነጋዶ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ተጫረቲ ካብ ዕለት 13 ታሕሳስ 2008 ዓም ክሳብ 19 ታሕሳስ 2008 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንዳ ሞከኒ ማይጨዉ ሰነድ ጨረታ ንክትወስዱ ይሕብር
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 15, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 19, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መኮኒ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 19, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ስራሕቲን ውፅኢት ሕርሻ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ

ወረቀት ምስክር መቅረባይነት

ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መነዳእታ ከቅርብ ዝክእል

ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ

ሰዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብቲ ቤት ፅሕፈት የቅርብ

ተጫራታይ ጨረታ ምስ ሰዓረ ተዘይተስማዕሚዑ ዘትሐዞ ገንዘብ ኣይምለስን

እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ዕለት 19 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 8፡ 00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ይክፈት

እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ  እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብ ቀ ስልኪ 0347770419 /0347770998 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል