https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/104
ኒዉ ሚሊንየም ኮሌጅ አብ መቐለ ካምፓስ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኮምፒተርን ኔትወርክን ናይ ሐደ ዓመት ፅገናን ሰርቪስን (maintenance and Service ) ዝገብር ትካል ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ ዝስዕብ ረቑሓታት እተማልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጳጉሜን 3, 2006 (ልዕሊ 11 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 9, 2007 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:0
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ 5, 2005 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌትክትሮኒክስን ኣይሲቲ ኣቕሑት / ፅገና/

ናይ ጨረታ ማስታወቅያ

ኒዉ ሚሊንየም ኮሌጅ አብ መቐለ ካምፓስ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኮምፒተርን ኔትወርክን ናይ ሐደ ዓመት ፅገናን ሰርቪስን (maintenance and Service ) ዝገብር ትካል ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ ዝስዕብ ረቑሓታት እተማልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም::

  1. ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 5 % ብ CPO/ ጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝኽእል::

  2. ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 30.00 ብር ብምኽፋል ካብ ዕዳጋ ክፍሊ ምዉሳድ ይካአል::

  3. እዚ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት ነሐሰ 30/2006 ዓ/ም ክሳብ መስከረም 9/2007 ዓ/ም ኮይኑ ተጫራትቲ ዘቕርንብዎ ዋጋ ብዝተዓሸገ ኢንቪሎፕ አብ ዕለት መስከረም 9/2007 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:15 ተጫራትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይኽፈተ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብምትራፎም እቲ ጨረታ ሰብ ምኽፋት ዝእግድ ነገር የለን::

  4. ተጫረቲ ሳዓራይ ምኮኑ ምስ ተነግሮ አብ ዉሽጢ 1 መዓልቲ ዉዕሊ ይአስር::

  5. ሳዓራይ ተጫረቲ አብ ዝመልኦ ዋጋ ዝናሳሕ እንተኮይኑ ዘትሐዞ ስፒኦ (CPO ) ጥረ ገንዘብ ናብ ኒዉ ሚለንየም ኮሌጅ ኣታዊ ይኸዉን::

  6. ኮሌጅና ዝሐሸ አማራፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን በክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

  7. ተጫራትቲ አብ ፅገና ኮምፒተር ዝተዋፈሩ ክኾኑ ይግባእ

  8. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቅርብ ይግባእ

  9. ቲን ቑፅሪ ዘለዎ

  10. ንግዲ ምዝገባ

  11. ቫት ዲክላሬሽን

  12. ኒዉ ሚለንየም ኮሌጅ እዚ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስርዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::


 

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑ ስልኪ 0344410465 /406088/406144 ደዊልካ ምሕታት ይካአል::