https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/10336
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሹም ንኣብየተ ፅሕፈት እቲ ወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 22, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ የካቲት 12, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ጋንታ አፈሹም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ የካቲት 12, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/

1 ዝተሐደሰ ናይ ዘበኑ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም

2 መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘን መለለይ ቁፅሪ ከፋልነት ግብሪ ዘለዎን  

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመገብን ናይ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2012 ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሺም ደጋፋ ከይዲ ስራሕን ንብረት ምምሕዳርን ምዉሳድ ይከኣል፡፡

5 መከበሪ ጨረታ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ እዉን ብሰፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተዉሃበ ብሽም እቲ ቤት ፅሕፈት ከትሕዝ ዝእክል፤

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

7 ሳንዱቅ ጨረታ 12/06/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይክፈት፡፡

8 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝን ወፃኢን ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ጋንታ አፈሹም ከቅርቡ ይግብእ፡፡

9 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ከምእዉን ንዝወሰድዎ መወዳደሪ ሰነድ ዋላ ሓንቲ ከይ ኣጉደሉ ንነብሰ ወከፍ ማህተም ክታምን ክዕርፍሉ ይግባእ፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-451137 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡