https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/10004
ትካልና ደጀና ኬምካል ኢንጂነሪንግ ሓ/ዝተ/ው/ማሕበር ናብ እንዳሰላማ ኣብ ዝርከብ ፕሮጀክት ሳይትና ንዝተተኸሉ ተኽልታት ማይ እተስቲ መኪና (water truck) ስለዝደለየ ብቕዓት ዘለዎ መኪና ዘለኩም ተጫረቲን ካብዚ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፁ መዐቀንታት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ ነዙይ እተማልኡ ሕጋውያን ትካላት ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 22, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 28, 2012 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 28, 2012 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መኪና ክራይ/ ትራንስፖርት ግልጋሎት/ ዕድጊት ኸቢደ መሺን/

1 ተጫረቲ ተዛማዲ ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ናይ ንግዲ ስራሕ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋሊ መፈለዩ ቁፅርን ኦርጅናልን ዘየምለስ  ፎቶኮፒን ብምትሕሓዝ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ መቐለ ጉና ህንፃ ቁፅሪ 401 እቲ ሰነድ ክትወስዱ ትኽእሉ።

2 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብዝተዓሸገ ፖስታ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ መዓልቲ 31/12/2019 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 07/01/2019 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 8:00 ኣብ መቐለ ዋና መ/ቤት ነዙይ ተባሂሉ ኣብ ዝተተደለወ ሳንዱቅ ከእትው ይግባእ።
3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ብባንኪ ክፍሊት መአዘዚ ሲፒኦ ብር 10000.00 (ዓሰርተሽሕ ቅርሺ) ብዝተዓሸገ ፖስታ ምስ ጨረታ ሰነድ ዶክመንት ብምትሕሓዝ ከእትዉ ኣለዎም ክኣቱ ይግባእ።

4 ጨረታ ዕለት 07/01/2020 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ  ድሕሪ ሰዓት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት መምርሒ ዕደጋ ዝኸፈት ኾይኑ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኺቡ አቲ ጨረታ ኣይተኣጓገልን።

5 እዚ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ስ.ቁፅሪ 0344-405061/0344-417201