ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ዝተፈላለዩ ዓይነት ጎማታትን ካላማደርያታትን ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ክትጫረቱ እትደሊዩ ተጫረት ንክትጫረቱ ንዕድም

1 ናይ 2006/2007 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (ቫት) ተመዝገብቲ ዝኮኑን

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና 10% ብመልክዕ ስፒኦ ወይ ድማ ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ዝተወሃበ ቼክ ከቅርቡ ዝክእል

3 ናይ ጨረታ ዶክመንት ኩሉ ግዘ አብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 30.00 (ሰላሳ ብር) ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቁፅሪ ክፍሊ 308 ክትወስዱ እትክእሉ

4 ናይ ጨረታ ዶክመንት ብዝተዓሸገ ፖስታ አብ ቁፅሪ ክፍሊ 409 ክተቅርቡ አለዎ

5 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ን 7  ናይ ስራሕ መዓልታት ብምፅናሕ ዕለት 21 ሕዳር 2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 4ይ ፎቅ ኣብ ዝርከብ አዳራሽ ይክፈት

6 ሰዓራይ ጨረታ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ አብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ የረከብ

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ዝዕደጋ ዝተፈላለየ ዓይነት ጎማታት በዝሒ 66 ከምኡዉን ዝተፈላለየ ዓይነት ካላማደርያታት በዝሒ 54 እዩም

ድሕሪት
ጨረታ መደብ