ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና መለዋወጢ ስፔር ፓርት ፣ ህንፃ መሳርሒ፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት ፣ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ ናይ መኪና ጎማን ባትሪን ፣ ናይ ፅሬት ኣቁሑት ፣ ደረቕ ፅዕነት መጓዓዝያ ፣ ብረታ ብረት ስራሕ ብግልፂ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ተጫረቲ  ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድን ሓድሽ መቅረባይነትን ዘሐደሱ ቲን ናምበርን ከቀርቡ ዝኽእሉ

2  ንኩሎም ዓይነት ጨረታ ተሳተፍቲ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑ ጥራሕ

 3 ቫት ዝተመዝገብሉ ሰርትፊኬትን ናይ ወርሒ ሰነ 2011ዓ/ም ቫት ዲክሊሬሽን ከቕርቡ ዝክእሉ

4መኽበሪ ጨረታ ናይ መካይን መለዋወጢ ኣቁሑት 4000.00 ህንፃ መሳርሒ 10000.00 ፣ ፅሕፈት መሳርሒ 3000.00 ፣ ናይ ፅሬት 1000.00 ፣ ብረታ ብረት ስራሕ 5000.00 ኤሌክትሮኒክስ 1000.00 ፣ ናይ መኪና ጎማን ባትሪን 3000.00 ብር

5 ዝተዳለወ ጨረታ ደኩሜንት ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ንሕድሕድ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 20 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ህንፃ ኤጄንሲ ማዕድንን ኢነርጅን ቢሮ ቁፅሪ 115 ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30/12/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ብስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከአል

6 ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 13/12/2011 ዓ/ም

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/12/2012 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ንጉሆ

8 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 30/12/2012 ዓም ሰዓት 4:00 ንጉሆ

9 ጨረታ ዘሸነፉ መቅረብቲ ንዝስዓረዎ ኣቅሓ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት መፅዓንን መራገፍን መገጣጠምን ሸፊኖም ናብ ቤት ዕዩና የቅርቡ

10 በቲ ጨረታ ዝተሰዓሩ መቅረብቲ ወይ ግልጋሎት ወሃብቲ ጨረታ ኣናሊስስ ምስ ተወደአን ሰዓራይ ተፈሊጡ ዉዕሊ ምስአሰረ ዘተሓዝዎ ናይ ጨረታ መኽበሪ ይምለሰሎም

11 ጨረታ ሰዓራይ መቅረቢ ን ህንፃ መሳርሒ ኣቁሑት 20 መዓልቲ ብረታ ብረት 30 መዓልቲ ዝተረፈ ንኩሉ ዓይነት ንብረት ዉዕል ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ 15 መዓልቲ  አታዊ ዝገብር

12 ተጫራቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ፅሬቶም ዝሐለዉን ኦርጅናል ምኻኖም አረጋጊፁ ከመለእ ይግባእ

13 ካብቲ ዝተቐመጠ ስፐስፊኬሽን ወፃኢ ካሊእ አማራፂ ተባሂሉ ዋጋ ከቐምጥን ኣብቲ ስፐስፊኬሽን ዘይተነፀረ ንብረት ምቅማጥ ኣይፍቀድን ተተቀሚጡ ድማ ዉድቂ ይከዉን

14 ዝተቐመጠ በዝሒ 20 % ክዉስክን ክቅንስን ይክእል

15 ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

16 ተጫራታይ ዘቅርቦ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝሐወሰ ወይ ዘይሐወሰ ምኾኑ እንተዘይተመላኺቱ ተወሳኪ እሴት ታክሲ ሓዊሱ ከምዘተመለአ ይቑፀር

17 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዝ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 60 መዓልቲ ይከዉን

18 ተጫረቲ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ዋናን ቅድሕን ዝብል በበይኑ ብምግባር ከቅርቡ አለዎም

19 ናይ ግብሪ 15 % አብ ቤት ፅሕፈትና ነትርፍ ምካና ንግልፅ

20 ከይዲ ጨረታ ብዘይአግባብ ምዛብዕ ምሙካር ብሕጊ ዘሕትትን አብ ዝኮነ ጨረታ ክሳብ ምእጋድ ስጎምቲ ዘስዕብ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ

21 ቅድመ ክፍሊት ምሃብ አይፍቀድን

22 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344401209 ምድዋል ይከአል እዩ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ