ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ሴክተር ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝህባ መካይን ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓም መደባኛ ዓመታዊ መካይን ፅገና ከከይዲ ስለዝደሊ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሓምለ 18, 2011 (ልዕሊ 4 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ነሓሰ 1, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ: ሮብ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ነሓሰ 1, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • ፅገና ሞተርሳይክል/ ፅገና ተሽከርካሪ/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ናይ 2011ዓ/ም ፍቃድ ንግዲን ዘሐደሱን ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈሉን ክኮኑ ኣለዎም፣

2 ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነትን መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪን ካልኦት ዘድልዩ ብቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ ሓምለ ሒሳብ ዘወራድክምሉ መረዳእታ ክተቅረቡ እትክሉ፤

4 እቲ ሰነድ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 16/11/2011 ዓም ክሳብ 1/ 12/ 2011 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዘይምለስ 50 ቅርሺ  እናከፈልኩም ስነድ ጨረታ ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስት ዋናን ቅዳሕን ምእታዉ ይከኣል፡፡

5 መከበሪ 5000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤ ጋራዝ ብቅዓት መረጋገፂ ደረጃ 4ይ ልዕሊኡን መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

6 ጨረታ ሰዓራይ ዉዕሊ ንክኣስር ምስተነገሮ አብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ዝኣስር፤

7 መከበሪ ዉዕሊ ጨረታ 10 ሚኢታዊ ካብ ጠቅላላ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል፤

8 አብ እዋን ዝርዝር መለዋወጢ ኣቅሑት ትእዛዝ ብፖርተ ናምበር ከሐትት ዝክእል

9 እቲ ጨረታ 1/12/2011 ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ዶሃን ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፡፡

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0343-450112 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ድሕሪት
ጨረታ መደብ