1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ሓደ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ TIN ቑፅሪ ሰርተፊኬት ሓደ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::
3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2011 ዓ/ም VAT ድክላሬሽ ንሓደ ዋንኡን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል:;
4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰን ምስክር ወረቐት ሓደ ዋንኡን ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::
5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ወይ ግልጋሎት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ምድብ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ በቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ይግበእ::
6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::
7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታ ንሰነድ ጨረታን ምድብ- ዘይምለስ ብር 50. 00 /ሐምሳ ብር/ ጥራሕ እናኸፈለ ካብ ቢሮና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ካብ 16/09/2011 ዓ/ም ክሳብ 06/10/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይከእል::
8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ንሕትመት ብር 5000.00 / ሓሙሽተ ሽሕ ብር ብሽም ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ /Bureau of Justice/ ብ CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::
9 እቲ ጨረታ ዕለት 06/10/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::
10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ክዉስክ ይክእል እዩ::
12 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344-408714 ደዊልካ ምሕታት
ይክፈት
ድሕሪት