1 ናይ 2011ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዘለዎን ክከውን ኣለዎ፤
2 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋብን ዝኮነን ናይ 2011ዓ/ም ወርሒ መጋቢት ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤
3 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት መቅረብቲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል፤ ቲን ናምበር ከቅርብ ዝክእል፤
4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ክፍሊ ቁፅሪ 02 ምውሳድ ይከኣል፤
5 ፋይናንሻለን ቴክኒካልን ሰነድ ነንበይኑ ዓሺጉ ከቅርብ ዝክእል፤
6 ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ቢድቦንድ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ብናይ ሲፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይድማ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤
7 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ 14/09/2011ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ታዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት::
8 ሰዓራይ ዝፍለየሉ ንዝተሓተቱ ንብረት ብዝተሓተ ዋጋ ዘእተወ ሰዓራይ ይከውን፤
9 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዋና ቅዳሕን ንንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ ብምጥቅላል ናብቲ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ኣለዎም። እቲ ፖስታ ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻ፣ ማህተም፣ ፊርማ ንክህልዎ ኣለዎ:: ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እዚ ንዝገበረ ተጫራቲ ድማ እቲ ዘቅርቦ ሰነድ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን:: ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ድማ ብማርከር ንፁር መረዳእታ ክዓርፎ ይግባእ::
10 እቲ ቤት ፅሕፈት ክሳብ 20 ሚእታዊ ናይ ምውሳክን ምቅናሰን መሰል ኣለዎ::
11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
ንዝበለፀ ሓበሬታ 0342-400403 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡
ድሕሪት