ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሬት ኣቁሑት : ህንፃ መሳርሒ : ናይ መኪና መለወዋጢ : ናይ ኮምፒተራት :ፕሪንተራት: ፎቶ ኮፒ ማሽን : ፋክስን : ላፕቶፕን ፅገና : ናይ ተሽከርከርቲ/ መኪና ፅገና ጋራዥ / : ፅሕፈት መሳርሒ : ኮምፒተራት ፕሪንተራት : ስሚንቶ ናብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ጣብያታት ምጎዕዓዝን : ሕትመት : ምርጥ እቶን ምፍራይ ሞድል : ናይ ፕሪንተራት : ፎቶ ኮፕን : ፋክስን ቀለም ምምላእ ግልፂ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ : ከሕትም : ከስርሕ : ከጎዓዕዝ ስለዝደሊ ብዘርፉ ሕጋዊ ነጋዶ ዝኾንኩም ክትወዳደሩ ይዕድም

1 ተጫረቲ ቫት ተመዝገብቲ ይኹኑ ኣይኹኑ ናይ 2007 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድን ሓድሽ መቅረባይነትን ዘሐደሰ

2 ቫት ተሃልዩ ዝተመዝገብሉ ሰርትፍኬትን ናይ ነሓሰ ወርሒ ቫት ዲክለረሽን ከቀርቡ ዝኽእሉ

3 ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስነ ዝተመዝገብሉ ቲነ ከቅርቡ ዝኽእሉ

4 ንፅሬት ኣቑሑት: ንፅሕፈት መሳርሒ : ንኮምፒተራት: ፕሪንተራት :ፎቶ ኮፒ ማሽንን: ፋክስን :ላፕቶፕ ፅገና : ናይ ፕሪንተራት : ፎቶ ኮፕን : ፋክስን ቀለም ምምላእ : ምርጥ እቶን መፍረይ ሞልድ : ሕትመት ቫት ተመዝገብትን ቫት ዘይተመዝገብትን /ክልቲኡ /ክትወዳደሩ ይዕድም

5 ናይ ተሽከርክርቲ /መኪና ፅገና ጋራዥ / : መኪና መለዋጢ : ህንፃ መሳርሒ : ስሚንቶ መጓዓዓዚ : ኮምፒተርን ፕሪንተርን ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ጥራሕ ክትወዳደሩ ይዕድም

6 ተጫረቲ ናይ መኽበሪ ጨረታ

  • ናይ ፅሬት ኣቐሑት ብር 1000
  • ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብር 2000
  • ናይ መኪና መለዋወጢ ብር 3000
  • ናይ ተሽከርከርቲ /መኪና ፅገና ጋራዥ/ ብር 3000
  • ናይ ህንፃ መሳርሒ ብር 5000
  • ናይ ኮምፒተራት ፕሪንተራት ላፕቶፕ ፎቶ ኮፒ ማሽንን ፋክስን ፅገና 2000
  • ናይ ፕሪንተራት ፎቶ ኮፕን ፋክስን ቀለም ምምላእ ብር 1000
  • ስሚንቶ መጓዓዓዚ 5000
  • ሕተመት ብር 3000
  • ምርጥ እቶን መፍረይ ሞልድ 3000
  • ኮምፒተራት ፕሪንተርን ብር 3000 ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ አለዎም

7 ዝተዳለወ ጨረታ ደኩሜንት ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ንሕድሕድ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ህንፃ ኤጄንሲ ማዕድንን ኢነርጅን ቢሮ ቁፅሪ 115 ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 25/01/2008 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ብስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከአል

8 ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 10/1/ 08 ዓ/ም

9 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 25/1/08 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ንጉሆ

10 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 25/ 01 /08 ዓም ሰዓት 4:00 ንጉሆ

11 ጨረታ ዘሸነፋ መቅረበቲ ንዝሰዓርዎ ኣቕሓ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ናብ ቤት ዕዩና የቅርቡ

ብተወሳኪዉን ስሚንቶ መጓዓዓዝ ናብ ዝተፈላለዩ ወረዳታትን ጣብያታትን ንምጎዓዝ : GI PIPE/ናይ ህንፃ መሳርሒ /ኣብ ዓድሽንዱሕን ዝርከብ ቦታ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ የቅርቡ

12 በቲ ጨረታ ዝተሰዓሩ መቅረብቲ ወይ ግልጋሎት ወሃብቲ ጨረታ ኣናሊስስ ምስ ወሰአን ሰዓራይ ተፈሊጡ ዉዕሊ ምስአሰረ ዘተሓዝዎ ናይ ጨረታ መኽበሪ ይምለሰሎም

13 ጨረታ ሰዓራይ መቅረቢ እቲ ንብረት ዉዕል ካብ ዝአሰረሉ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ብዘይካ ስሚንቶ መጓዓዓዚ :ሕተመት: ምርጥእቶን መፍረያ ሞልድ ኣታዊ ዝገብር

14 ተጫራቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ፅሬቶም ዝሐለዉን ኦርጅናል ምኻኖም አረጋጊፁ ከመለእ ይግባእ

15 ካብቲ ዝተቐመጠ ስፐስፊኬሽን ወፃኢ ካሊእ አማራፂ ተባሂሉ ዋጋ ከቐምጥን ኣብቲ ስፐስፊኬሽን ንብረት ምቅማጥ ኣይፍቀድን ዉድቂ ከዉን

16 ዝተቐመጠ በዝሒ 20 % ክዉስክን ክቅንስን ይክእል

17 ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

18  ኣብ ናይ መኪና ጋራዥ ናይ ደረጃ ብቅዓት መረጋገፀፂ ዘለዎ ክኸዉን አለዎ

19 ተጫራታይ ዘቅርቦ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝሐወሰ ወይ ዘይሐወሰ ማኾኑ እንተዘይተመላኺቱ ተወሳኪ እሴት ታክሲ ሓዊሱ ከምዘተመለአ ይቑፀር

20 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344401209 ምድዋል ይከአል እዩ

 

ድሕሪት
ጨረታ መደብ