ንሓፈሻዊ ሆስፒታል ኮረም ግልጋሎት ዝህባ መካይን ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ስፔር ፓርት ንምግዛእ ብዕለት 02/06/2011ዓ/ም ወፂኡ ዝነበረ ግልፂ ጨረታ ንዕለት 17/06/2011ዓ/ም ይክፈት፤ ዝበለ ዝነበረ እቲ መክፈቲ ዕለት ብጌጋ ሰንበት ብምካኑ ንዝተፈጠረ ጌጋ ይቅርታ እናሓተትና ንዕለት 19/06/2011ዓ/ም ዝተቀየረ ምካኑ በዚ መሰረት በቲ ዘፈር ዓውደ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ካብ ዘለዎም ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ የካቲት 15, 2011 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 19, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:4000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ የካቲት 19, 2011 05:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ብመሰረት እዚ በቲ ዘፈር ስራሕ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ

1 ተጫረቲ በቲ ዘፈር ስራሕ ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ከፊልኩም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ከቕርቡ ዘኽእሉን፤

2 ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ወርሒ ታሕሳስ ዲክለር መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፤

3 በቲ ዘፈር ንግዲ ዝተመዝገብኩምሉ ቲን ናምበር ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለዎምን ከቕርቡ ዝኽእሉን፤

4 ሰነድ ጨረታ ካብ 02/06/2011ዓ/ም ክሳብ 19/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣበ ኮረም ሆስፒታል ፋይናንስ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል። መከበሪ ጨረታ 4000.00 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ ብምትሓዝ ኣብ ኮረም ሆስፒታል ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ይገብሩ።

5 ሰነድ ጨረታ 19/06/2011 ሰዓት 4፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ተረከቡ ኣይተረከቡ ብዝይገድስ ሰዓት 5፡00 ኣብ ሆስፒታል ኮረም ይክፈት፤

6 ተጫረቲ ኣብ ዝወሰድዎ ሰነድ ጨረታ ሕቶ እንተሃሊዎም ጨረታ ንምክፋት 3 መዓልቲ ክተርፎ ከሎ እንተቅሪቦም ሕቶኦም ተቀባልነት የብሉን።

7 ኣብ በዝሒ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ሆስፒታልና ዝተሓለወ እዩ።

8 እቲ ሆስፒታል ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345-510059 /0914-751209 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ