ኣክሱም ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ ን 2008 ዓም ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቐሑት :ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት :ናይ ፅሬት ኣቑሑት: ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቑሑት :ናይ ኤሌክትሪክ ኣቑሑት ንምግዛእን ዘተፈላለዩ ቅጥዕታት መፅሓፍን ንምሕታምን ስለዝደለየ ንሕጋዊ ነጋዶ ክጫረቱ ይደሊ ስለዚ ካብ ዕለት 28 /12 /2007 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 06/1/ 2008 ዓም ሰዓት 600 ቅድሚ ሰዓት አብ ኮሌጅና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ዝተዳለወ ሰነድ ንሕድሕድ ዘይምለሰ ብር 20 ከፊልኩም ብምዉሳድ መወዳደሪ ዋጋ መሊእኹም ሕድ ሕድ ሰነድ በበይኑ ምስ ደክሜንት ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዘዳለናዩ ሳንዱቕ ከተእትዉ ትኽእሉ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን ኮፒ ተቕርቡ

2 መለለይ ቁፅሪ/TIN/ ዘለኩምን ኮፒ ተቕርቡ

3 ተወሳኪ እሴት ታክሲ /ቫት/ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ሐምለ ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ተቕርቡ

4 ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለኩምን ኮፒ ተቕርቡ

5 ንፅሕፈት መሳርሒ ንኤሌክተሮኒክስ ኣቑሑት ንመኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን ቫት ዝተመዝገብኩም ጥራሕ ትወዳደሩ

6 ንፅሬት ኣቑሑት ንሕንፃ መሳርሒ ኣቑሑት ንኤሌክትሪክ ኣቑሑት ንሕትመትን ቫት ዝተመዝገብኩምን ዘይተመዝገብኩምን ክትወዳደሩ ትክእሉ

7 ንጨረታ መክበሪ ንፅሕፈት መሳርሒ : ንኤሌክተሮኒክስ ኣቑሑት ንመኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን ንሕድሕድ ብር 5000 ንፅሬት ኣቑሑት :ንሕንፃ መሳርሒ ኣቑሑት :ንኤሌክትሪክ ኣቑሑት ንሕትመትን ንሕድሕድ ብር 2000 ብጥረ ገንዘብ ብስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ትኽእሉ

8 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 06 /01/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት

9 ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታ ኣብ ኣክሱም ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናስን ንብረት ምምሕዳር

10 ጨረታ  ዝኽፈተሉ ዕለት 06/01/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:45 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ዝኽፈት ኮይኑ ዘድሊ መረዳእታ ጨረታ ምኽበሪን አማሊኡ ኣብ እዋን ጨረታ ምክፋት ዘይተረኸበ ተወዳዳራይ ከምዝሎ ተሓሲቡ ክወዳደርን ንዘሸነፎ ከቕርብን ይግደድ

11 ንኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት ንፕሪንተርን ፎቶ ኮፒን ቀለማትን ንሕድሕድ ናይ 3 ወርሒ ዉሕስና ክህብ ዝኽእል

12 ንዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ አሲሩ እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሊ መጓዓዓዚ መፅዐንን መራገፍን ናብ ኮሌጅና የቕርብ

13 ናይ ዝሰዓሮ ንብረት መኽበሪ ዉዕሊ 10% ብጥረ ገንዝብ ስፒኦ ዘትሕዝ

14 ካብቲ ንጨረታ ዝወፀ ንብረት 20% ክቅንስን ክውስክን ከምንክእል

15 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ዶክሜንቶም ማህተምን ፊርማን ባዓል ዋና እንተዘይሃልዎን ተቐባልነት ኣይህልዎን

16 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

17 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብኣካል ብምምፃእ ወይም ብስልኪ ቁፅሪ 0347753705 ምድዋል /ምሕታት/ ይከኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
  • ሶፍትዌርን ኔትዎርክ (58)
    • ኮንስትራክሽን (1045)
      • ኤሌትክትሮኒክስን ኣይሲቲ ኣቕሑት (4459)
        • ሒሳብ ኣደሓሕዛን ኦዲት ምግባርን (256)
          • ሕርሻ (508)
            • ህንፃ መሳርሒ (7189)
              • ፅሬትን ንፅህና ኣቁሑት (1689)
                • ምምካር (180)
                  • ትምህርቲን ስልጠና (199)
                    • ኤሌክትሪካልን ኤሌክትሮ መካኒካል (1830)
                      • ምግብን መስተን (514)
                        • እግድ (40)
                          • ፈርኒሽንግን ፊክስቸር (77)
                            • ፈርኒቸር (1283)
                              • ጠቅላላ ስራሕቲ ኣገልግሎት (86)
                                • ውህብቶን ውፅኢት ኢደ ጥበብ (4)
                                  • ጥዕና (266)
                                    • ናገዛ ኣቁሑት (87)
                                      • ኢንሹራንስ (4)
                                        • ናይ ቤተ ፈተነ ኣቁሑትን ኬሚካልን (288)
                                          • መሬትን ሊዝን (59)
                                            • ፅገና (833)
                                              • ናይ ሕክምና ኣቁሑት (426)
                                                • መዓድንን ናይ ተፈጥሮ ሃፍትን (21)
                                                  • ናይ ቢሮ አቁሑትን ፅሕፈት መሳሪሕን (2985)
                                                    • መዐሸጊን መጠቅለሊን ወረቀት (6)
                                                      • ምስሊን ቀረፃን (23)
                                                        • ስራሕቲ ሕትመት (1658)
                                                          • ስራሕቲ ምልላይ (83)
                                                            • ክራይ (737)
                                                              • መሸጣ (1182)
                                                                • ስራሕቲ ሓለዋን ሰኪዩሪቲ (93)
                                                                  • መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ (8589)
                                                                    • ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን (360)
                                                                      • መሳሪሕታት ቴሌኮሙኒኬሽን (25)
                                                                        • ጨርቃ መርቂን ውፅኢት ቆርበትን (831)
                                                                          • ናይ ትራንዚትን መጋዓዝያን ግልጋሎት (360)
                                                                            • ተሽከርከርትን ከበድትን ማሺነሪ (578)
                                                                              • መኽዝን (33)
                                                                                • ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ (237)
                                                                                  • ኣልሙኒየም፡ መስትዋትን ስራሕቲ ሓፂነ መፂን (267)
                                                                                    s