ናይ ጨረታ ዙር 73፣ ዓይነት ጨረታ መደበኛ ፣ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከይዲ ስራሕ ምልማዕ መሬት ምሕደራን ከተማ ዓዲግራት ናይ ከተማና ኮታ ብሊዝ ስለምሓዝ ብዝደንጎጎ ኣዋጅ 721/2004 ዓንቀፅ 8ተ ንመንበሪ ንንግዲ ወዘተ ዝተዳለወ ቦታ ብግልፂ ጨረታ ንተጫረቲ ከመሓላልፍ ይደሊ ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 21, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 4, 2011 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:0.00
  • ቦታ: ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 5, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መሬትን ሊዝን/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ስለዝኾነ ክጫረት ዝደሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ እዚ ምልከታ ካብ ዝወፀሉ 21/02/2011 ዓ/ም  ጀሚሩ ዘይምለስ 200.00 ብር ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ከተማ ዓዲግራት ከይዲ ስራሕ ቤት ማዘጋጃ እቶት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ክትገዝኡ ከምትኽእሉ ነፍልጥ።

2 ሰነድ ጨረታ ካብ 21/02/2011ዓ/ም -04/03/2011 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ጥራሕ ይኸውን።

3 ከምኡ ድማ ሰነድ ጨረታ ሓሳብ መቅረብን ናይ ዋጋ መቅረብን ከምኡ ውን መከበሪ ጨረታ ሲፒኦን ናብ ሳንዱቅ ጨረታ ካብ 04/03/2011ዓ/ም ሰዓት 11:00 ድ.ቀትሪ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።

4 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ 04/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 11:00 ድ.ቀትሪ ይኸውን።

5 እቲ ቦታ ንምርኣይ ንዝደሊ ተጫራታይ ካብ 27/02/2011ዓ/ም ካብ ሰዓት 3:00 ቅ.ቀትሪ ጀሚሩ ብሳይት መልክዕ ኣብቲ ቦታ ብምኻድ ክነርኢ  ንኽእል ምዃና ክንገልፅ ንፎቱ።

6 ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 05/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅ.ቀትሪ ተጫራቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ኣዳራሽ ከተማ ዓዲግራት ይኸውን።

7 ናይ ጨረታ ዝርዝር መብርሂ ኣብ በቢ ቀበሊኡ ዝርከብ ብሊዝ ቦርድን  ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ  መፂኹም ምርኣይ ትኽእሉ።

8 ንመጀመርታን ንኻልኣይ ግዜን ንጨረታ ኣብ ዝወፁ ቦታታት ትሕቲ 3ተ ተጫረቲ ምስዝቀርቡ እቲ ጨረታ ተሰሪዙ ኣብ ቀፃላይ ንክወፅእ ይግበር። ኾይኑ ግና  ን3ይ ገዜ ኣብ ዝወፀኣሉ ጨረታ ዋላ ሓደ ተጫራታይ ግቡኡ እንድሕር ፈፂሙ ሰዓራይ ይኸውን።

9 ዝኮነ ተጫራታይ ብመሰረት ዝወፀ ሕጊ ሰሌዳ  ሰነድ ጨረታ ብዕድጊት ጥራሕ ዘረክብ እንትኸውን ሰነድ ጨረታ መግዝኢ ሕጋዊ ደረሰኝ ካብ ሰነድ ጨረታ ሸያጢ ክረክብ ኣለዎ።

10 ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ቦታ ኣብ ከ/ስ/ መዘጋጃ ቤት እቶት ቢሮ ቁፅሪ 3ተ ይኸውን።

11 እቲ ቤት ፅሕፈት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ