ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ ማረት ዝተፈላለዩ ናይ ካምፒን መሳርሒ ኣቅሑ (Camping Materials )ብጨረታ አወዳዲሩ ንምግዛእ ትደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 16, 2010 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 23, 2010 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጉንበት 23, 2010 09:00 ደ/ሰዓት
  • ናገዛ ኣቁሑት/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ናይ 2010ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫራቲ ካብ ቢሮቁፅሪ 613 / 200.00 / ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክወስዱ ይክእሉ::

2 ተጫረቲ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን:ቲን ቁፅሪ :ንግዲ ምዝገባ ዝተመዝገበኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመንት ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ካብ ዘቅረብዎ ጠቅላላዋጋ 2% /ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መከበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገጸ ስፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ አለዎም

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፅሉ ዕለት ጀሚሩ 9/9/2010 ዓ/ም ክሳብ 23/9/2010 ዓ/ም ሰዓት ሓሙሸት እዩ ዝዕፀወሉ ሰዓት ድማ /5:00 / ናይ ንጉሆ ይከዉን ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉጊዜ አብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ኸቅርቡ ይክእሉ::

5 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 23/9/2010 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ አብ ማረትቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝርከብሉ ይክፈት :: ከምእዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንክፈት ምካኑ ንሕብር

6 እቲ ዝተዉሃብ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ አይፍቀድን እቲ ዝመላዕኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁብል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ

7 ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ክሕልዎ አለዎ ከምኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝተማልዕዎ ዋጋስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን::

8 ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል(Specification) ምስራዝ አይካአልን::

9 እቲ መእዘዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል

10 አቲ ድርጅት ዝሓሸ አማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ድሕሪት
ጨረታ መደብ