ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ መኮኒ ንዓማዉል ንመስመር መስፍሕፋሕን ዝዉዕል ናይ ማይ ናዉቲ ማለት ትቦታት መጋጣጠምን: ቆፃርን :ሮቶ ጎማን: ኤሌክትሮ መካኒካል ኤሌክትሮኒክ መቀያየሪ :አቅሑትን ፕላምፕንግ ቱልስ አጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ

1 ናይ ኣቅሑት ዝርዝር ስፔሲፊኬሽን ዘይምለስ ብር 70 ብምክፋል ዝወስድ

2 ናይ 2010 ዓም ግበሪ ዝከፈሉ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርብ

3 በኣቅሑ መቅራባይነት ዝተመዝገበን ናይ መቅረባይነት ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

4 VAT ዝተመዝገበን ወርሓዊ ዲክለሬሽን ዘቅርብ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ TIN ካሊእ ደኩመንት ኦርጅናል ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

5 ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከቅርብ ዝክእል

6 ጨረታ መከበሪ ብር 5000 ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

7 ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ መከበሪ ዉዕሊ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ክፍሊት ብዝፈፀመሉ ዓይነት ገንዝብ ካብ ናይቲ ዉዕሊ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ አብ ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ከትሕዝ አለዎ

8 ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ዝተሓተቶ መከበሪ ዉዕሊ ዘየትሓዘ እንተኮይኑ ዕደጋ ፈፃሚ አካል መከበሪ ጨረታ ይዉረስ

9 ጨረታ ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 6/6/2010 ዓም ክሳብ ዕለት 16/06 /2010 ዓም ንተከታታሊ 10 መዓልቲ ናይ ስራሕ ምካኑን ጨረታ ሰነድ ዝዕገሉ ድማ ኣብ ስራሕ ሰዓተ ኩሉ ግዜ ቅድሚ ሰዓት ካብ 200 ድሕሪ ሰዓት ድማ ካብ 8:00 ክሳብ 11:30 ብተወሳኪ ቐዳም ሰዓት ኩሉ ግዜ 2:00 ክሳብ 6:00 ኮይኑ ኣብ ቤት ፅሕፈት /ዕ/ግ/መሰተ ማይ ከተማ መኮኒ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 4ተ ምካኑ ንሕብር

10 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ግዜ 16/06 /2010 ዓም ሰዓት 11:30 ድሕሪ ሰዓት

11 ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ ዕለት 17/06 /2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ይከዉን

12 ጨረታ ምስ ተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሐሳብ ለዉጢ ምምሕያሽ ኣይክእሉን

13 እቲ ጨረታ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

14 ቤት ፅሕፈትና ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ