ማይጨዉ ቤት ህንፀት ማእኸል ንህነፃ መሳርሒ ዝተፈላለዩ ንብረታት ንሕጊ ተሃነፅቲ ወርክ ሾፕ ጣዉላ ማሽን ( ዝተፈላለዩ ማሽናት ኣቁሑትን) ንላይብረሪ ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ መፃሕፍትን ኣዋጃትን ክዕድግ ስለዝደለየ ዝምልከተኩም ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም መቅረብቲ ንክትጫረቱ ንፅዉዕ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥሪ 2, 2007 (ልዕሊ 9 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥሪ 13, 2007 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:0.00
  • ቦታ: ማይጨዉ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ 5, 2005 06:00 ደ/ሰዓት
  • ህንፃ መሳርሒ/ ስራሕቲ ሕትመት/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ


 

ምልክታ ጨረታ

ማይጨዉ ቤት ህንፀት ማእኸል ንህነፃ መሳርሒ ዝተፈላለዩ ንብረታት ንሕጊ ተሃነፅቲ ወርክ ሾፕ ጣዉላ ማሽን ( ዝተፈላለዩ ማሽናት ኣቁሑትን) ንላይብረሪ ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ መፃሕፍትን ኣዋጃትን ክዕድግ ስለዝደለየ ዝምልከተኩም ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም መቅረብቲ ንክትጫረቱ ንፅዉዕ::

ነጋዶ ከማልእዎ ዝግባእ ረቆሒ

1 ኣብ ናይ ህንፃ መሳርሒ ንብረታት ዝጫረት ተወሳኺ እሴት ታክሲ /ቫት /ተመዝጋቢ ዝኾነ:;

2 ናይ ዝወዳደረሉ ንብረት ዘርፊ ሰራሕ ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ::

3 ቲን ናምበርን ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት መታወቂያ መረዳአታ ከቕርብ ዝኽእል::

4 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 27 /4 / 2007 ዓም ክሳብ 13/05/ 2007 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ ብር 20. 00 (ዒስራ ቅርሺ) ብምኽፋል ካብ ማይጨዉ ቤት ህንፀት ዕ/ፋ/ንብ/ ምም/ ር ክፍሊ ቁፅሪ 5 ምዉሳድ ይከአል::

5 መኽበሪ ጨረታ ህንፃ መሳረሒ ንበረታት :ብጥረ ገንዘብ ብር 4000 .00 /ኣርባዕተ ሽሕ ብር/ ንወርክ ሾፕ ናይ ጣዉላ ማሽን ብጥረ ገንዘብ ብር 4000.00 (ኣርባዕተ ሽሕ ብር ): ንመፃሕፍትን ኣዋጃትን ብጥረ ገንዝብ ብር 2000.00 (ክልተ ሽሕ ብር ) ወይ ካብ ዝተፈለጠ ሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ /ከቕርብ ዝኽእል::

6 እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 27/ 04/ 2007 ዓ/ም ክሳብ 13/ 05/ 2007 ዓ/ም ኾይኑ ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ”ተባሂሉ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ኣበ ማይጨዉ ቤት ህንፀት ፋ/ዕ/ንብ/ ምም/ ርን ክፈሊ ቁፅሪ 5 ምእታዉ ይከአል::

7 ጨረታ ዝዕፀሉ ዕለት 13/ 05/ 2007 ዓ/ም ሰዓት 6:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 8:00 ናይ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኽፈት ዝተማልአ ሰነድን መኽበሪ ጨረታን እንተቅሪቡ ግና ተወዳደረቲ አብ ዘየለዉሉ እዉን ምኽፋት ይካአል ኢዩ::

8 መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 13/ 05/ 2007 ዓ/ም ክሳብ 18 /05 /2007 ዓ/ም ኢዩ::

9 እቲ ጨረታ ምስተርኣየ አሸናፊ ዝኾነ ተጫራታይ አሸናፊ ምኻኑ ካብ ዝተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎ ንበረት ንክቕርብ ዉዕል እንተዘይአሲሩ ንጨረታ መኽበሪ ዘተሐዞ ገንዝብ ብመምረሒ ፋይናንስን ዕዳጋን መሰረት ናብ መንግስቲ ኣታዊ ዝኸዉን ምኻኑ ክፈልጥ ኣለዎ::

10 እቲ ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ ምጉዓዝያ / ወፃኢ/ ናብ ማይጨዉ ቤት ህንፀት ከረክብ ዝኽእል::

11 እቲ ንብረት ካብ እስፐስፊኬሽን ወፃኢን ፅሬት ዝጎደሎን እንተኾይኑ ዘይንቕበል ምኻና ንሕብር::

12 መስራቤትና ኣብ በዝሒ ንብረት 20 % ናይ ምዉሳኽ ምቕናስን መሰሉ ሕሉዉ ኢዩ::

13 ብተወሳኪ መስራቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ ኢዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 0919914018 ወይ 0348770046 /0914106000 ምሕታት ይከአል::

 

ድሕሪት
ጨረታ መደብ