ጨረታ ምልክታ
ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ እዞም ዝስዕቡ ናይ ህንፃን ሕርሻ መሳርሒ ኣቁሑ (Construaction and Agricultural Materials) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ።
ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር።
1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኽአሉ፡፡
2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬት፣ ቲን ቁፅሪን፣ ንግዲ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከተቕርቡ ትክእሉ ሓዱሽ ቅብሊት ብሚኒስትሪ እቶት ፍቃድ ዝተሓተመ ዘለኩምን ፡
3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም።
4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተኣሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 03/06/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 17/06/2018 ዓ.ም እዮ። እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 17/06/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት / 5፡00 / ናይ ንጉሆ ይከዉን :: ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ስዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ክገዝኡ ይኽእሉ፡፡
5. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ 17/06/2018 ዓ.ም ሰዓት 9፡00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ።
6. እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ግፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላአኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ፡፡
7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም : ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምዐኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን፡፡
8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specifcation) ምስራዝ ኣይካኣልን ።
9. እቲ መእዘዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል።
10. አቲ ድርጅት ዝሓሸ አማራጭ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
ድሕሪት