ን3ይ ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ UNICEF funded project ግልጋሎት ዝዉዕል፡-
- Coffee Tea Materials
- Materials to Equip WGSS Sites
- Materials for Furnishing
- Refreshment items
ብግልፂ ጨረታ አወዳዲራ ክትዕድግ ስለ ዝደለየት ሕጋዊያን ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ትዕድም::
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት
- ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል
- ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (TN NO) ከቅርብ ዝክእል
- ብእዋኑ ዝተሓድስ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬትን መቕረባይነትን ከቅርብ ዝክእል
- ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
- ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ ትግራይ ብአካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል
- ተጫረቲ ዘቅርብዎ ንብረት ፅሬቱ ዝሓለወ ክክውን ይግባእ
- ተጫራታይ ሰዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀለ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ኣታዊ ክገብር ዝክእል
- ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን
- ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ
- ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 08/04/2018 ዓ.ም ክሳብ 17/04/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 17/04/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ አብ ቀበሌ 15 ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን። ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንድሕር ዘይተረኸቡ ድማ እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትርፍን
- ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኸ ወይ ምቕናስ ይኽእል
- መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒለ አብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን
- ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ
ድሕሪት