2ይ ጊዜ ዝወፀ ግልፂ- ጨረታ
ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንማእኸልና ግልጋሎትዝዉዕል ማይ ብቦጥ ብግልፂ- ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ዝምልከተኩም መቕረብቲ በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም።
1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ መለለይ ግብሪ ከፋልነት(IN)፣መቕረባይነት ስርተፊኬት ዘቅርቡ
2. ናይ ጨረታ መክበሪ - ብር 5,000/ብር ሓሙሽተ ሽሕ/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ማእኸልና ከትሕዙ ዝኽእሉ
3. ጨረታ ሰነድ ካብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 07 ዘይምለስ ብር 200 (ክልተ ሚኢቲ ብር) ጥራሕ ከፊሎም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 27/02/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 11/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ስራሕ ሰዓት ዓዲጎም ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ብምዕሻግ ናይ ትካሎም ማህተም ብምግባር ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ይገብሩ።
ሩ. ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከብሉ ቦታ ኣብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳርን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 07 ይኸውን።
5. ጨረታ ምስ ተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብሶም ምግላልን ኣይኸእሉን።
6, ረታ ዕለት 11/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓሺጉ በቲ ዕለት 3፡45 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት ብዘይ ምርካቦም ከይዲ ጨረታ አይተአጓጎልን።
7. ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቐመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይንሎም መብርሂ ወይ መማሓየሺ ሕቶ ከቕርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኸፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን።
8. ጨረታ ዝሰዓረ ኣብ ጊዜ ውዕሊ ካብቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ከትሕዝ ዝኽእል።
9. ናይ ማይን ካልኦት ወፃኢታትን ብተረታይ ይሽፈን ።
10. ማእኸልና እዚ ጨረታ ዘየዋፅኦ እንተኾይኑ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ ስል ኣለዎ።
ድሕሪት