1 ሕጋዊ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ 2018 ዓም ከቅርብ ዝክእል
2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ /ቲን ናምበር / ከቅርብ ዝክእል
3 ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዘለዎም
4 መከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ በስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
5 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ብዝተዓሸገ ካብ 28/2/2018 ዓም ክሳብ 8 ሕዳር 2018 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ክወስድ ዝክእል
6 ሰነድ ጨረታ 8/3/2018 ዓም ሰዓት 8:30 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 8:45 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት
7 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሳምረ አታዊ ክገብር አለዎ
8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ድሕሪት