ቑፅሪ (RefNo) 089/ዕ/ንብ/ምም-ር-48
ዕለት (Date) 24/02/2018 ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ ይምልክት
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ማዛጋጃ ከተማ መቐለ ናይ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ን ፅሕፈት መሳሪሒ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ:: ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም ፡፡
ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት
1. ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ፣ ቲን ቁፅሪ ከምኡ ድማ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት ከተሓሕዝ ዝኽእል ፡፡
2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 24/02/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00ዝፀንሕ ኮይኑ ዕለት 02/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓሺጉ በዕለት 02/03/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ይኸፈት ፡፡
3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማህተምን ኣድራሽኦምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።
4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት
ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ።
5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስተኸፈተ ን7 ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ፡
6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ከይኑ የገልግል "
7. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ
ምሕታት ይከኣል እዩ ፡፡
8. ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ዋጋ ብፖስታ ዝተዓሽገን ናይ ትካልኩም ማህትም ዝዓረፎን ክኾን ኣለዎ ።
9. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ ኣማራፂ እንትረኺቡ ብጨረታ ኣይግደድን ፡፡
10. ናይ መክበሪ ሲፒኦ ኤሌክትሮኒክስ ብር 10.000((ዓሰርተ ሽሕ)ኤሌክትሮኒክስ ንፅሕፈት መሳሪሒ ኣይድልን፡፡
11. ንብረት ዝግዝኦሎ ሜላ ዕደጋ ኣይቴም ቤዝ(ንሕድሕድ ዋጋ ዝንኣሰ) ዝመልአ ኣሸናፊ ይከዉን እዚ ማለት ካብቲ ዝተቀመጠ ዝርዝር መፍለይ ቁፅሪ ወፃኢ ምቅራብ ኣይከኣልን ፡፡
ድሕሪት