ማሕበር ተራድኦ ምድሓን ኣዴታት ትግራይ፣ ካብ 11/9/2015 ዓ/ም ክሳብ 30/11/2017 ዓ/ም በጀት ዓመት ዘሎ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ሒሳብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኦዲት ከግብር ይደሊ።

ናይ ጨረታ መፀዋዕታ

ማሕበር ተራድኦ ምድሓን ኣዴታት ትግራይ፣ ካብ 11/9/2015 ዓ/ም ክሳብ 30/11/2017 ዓ/ም በጀት ዓመት ዘሎ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ሒሳብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኦዲት ከግብር ይደሊ። ስለዚ ኣብዙይ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩን ነቲ ዝስዕብ ረቛሒ እተማለኡን ውልቀን ትካላትን ኦዲተራት ሰነድ ጨረታ

ዋና ቤት ፅሕፈትና ብምውስድ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ዝድለዩ መረዳእታታት

1. ኦዲት ንምክያድ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ምስክር ወረቐት /ብቕዓት መረጋገፂ ብርኪ ሰለስተን ልዕሊኡን ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ 2018 ዓ/ምን ከቕርብ ዝኽእል።

2. ኣብ ዝተፈላላዩ ትካላት ኦዲት ስራሕቲ ሰሪሑ ከም ዘነበረ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእልን፤ 3 ጊዜን ልዕሊኡን ልምዲ ስራሕ ኦዲት ዘለዎ።

3. ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ስራሕ፤ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ (in No)፤ ምዝገባ ሰርቲፊኬት፤ ሻት ወይ (IOT)፤ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሻት ወይ (IOT) ዲክላረሽን ከቕርብ ዝክእል።

4. ሒሳብ ሰነድ ኦዲት ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ዋና ቤት ፅ/ት ማሕበር ተራድኦ ምድሓን ኣዴታት ትግራይ ምዃኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ።

5. መኽበሪ ጨረታ ብሽም ማሕበር ተራድኦ ምድሓን ኣዴታት ትግራይ ብር 5,000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ብር) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼከ (CPO)፤ ብጥረ ገንዝብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ውሕስና ከትሕዙ ዝኸእሉ።

6. ተጫረቲ፤ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐለ ዕለት ጀሚሩ ንትከታታሊ 6 መዓልትታት ኣብ ስራሕ ስዓት ዘይምልስ ብር 300.00(ሰለስተ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ምውስድ ይክኣሉ።

7. ሰነደ ጨረታ፤ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ብዝግባእ መሊኦም ምስ ደጋፊ መረዳእታኦም ፋይናንሻል ዋና (ኦርጅናል)ን ኮፒን ነንበየኑ ኣብ ክልተ ፖስታ፤ እንደገና ፋይናንሻል ኣብ ዝብል ዓብይ ፖስታ ይዕሸጉ። ቴክኒካል ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዋና (ኦርጅናል)ን ኮፒን ነንበየኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጎም፤ እንደገና ቴክኒካል ኣብ ዝብል ዓብይ ፖስታ ይዕሸጉ።

8. ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ናይ ተረታይ ኣድራሻ፤ ኦርጅናልን ኮፕን ተባሂሉ ዝትፀሓፈሉ ማህተምን ፊርማን ዓሪፍዎ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 01/02/2018 ዓ/ም ድሕሪ ቐትሪ ስዓት 8:30 ከእትው ኣለዎም።

9. እቲ ጨረታ 01/02/2018 ዓ/ም ድሕሪ ቐትሪ ስዓት 8:30 ተዓፅዩ፤ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ናይ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ድሕሪ ቐትሪ ስዓት 9:00 ይኸፈት።

10. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ፊርማን ናይ ትካሎም ማህተምን ከዕርፉ ኣለዎም።

11. ከይዲ ጨረታ ንምትዕንቃፍ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ምስራዝ ብተወሳኪ ናብ ቤት ፅት ዋና ኦዲተረ ክልል ትግራይ ክቀረበሎም ይግበር።

12. ተጫራታይ ዘቕረቦ ኦዲት ፀብፃብ ብቋንቋ ትግርኛን እንግሊዘኛን ምዃኑ ፈሊጡ ክኣቱ ኣለዎ።

13. ማሕበርና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ምሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

14. ኣድራሻና፤ ኣብ 16 ቀበሌ ፊት ንፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ ህንፃ ፎቶ ደስታ ቐዳማይ ደብሪ ንርከብ።

15. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ስዓት ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ብኣካል ብምቕራብ ምሕታት ይክኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
  • ሶፍትዌርን ኔትዎርክ (58)
    • ኮንስትራክሽን (1047)
      • ኤሌትክትሮኒክስን ኣይሲቲ ኣቕሑት (4461)
        • ሒሳብ ኣደሓሕዛን ኦዲት ምግባርን (256)
          • ሕርሻ (508)
            • ህንፃ መሳርሒ (7192)
              • ፅሬትን ንፅህና ኣቁሑት (1689)
                • ምምካር (180)
                  • ትምህርቲን ስልጠና (199)
                    • ኤሌክትሪካልን ኤሌክትሮ መካኒካል (1830)
                      • ምግብን መስተን (514)
                        • እግድ (40)
                          • ፈርኒሽንግን ፊክስቸር (77)
                            • ፈርኒቸር (1283)
                              • ጠቅላላ ስራሕቲ ኣገልግሎት (86)
                                • ውህብቶን ውፅኢት ኢደ ጥበብ (4)
                                  • ጥዕና (266)
                                    • ናገዛ ኣቁሑት (87)
                                      • ኢንሹራንስ (4)
                                        • ናይ ቤተ ፈተነ ኣቁሑትን ኬሚካልን (288)
                                          • መሬትን ሊዝን (59)
                                            • ፅገና (833)
                                              • ናይ ሕክምና ኣቁሑት (426)
                                                • መዓድንን ናይ ተፈጥሮ ሃፍትን (21)
                                                  • ናይ ቢሮ አቁሑትን ፅሕፈት መሳሪሕን (2985)
                                                    • መዐሸጊን መጠቅለሊን ወረቀት (6)
                                                      • ምስሊን ቀረፃን (23)
                                                        • ስራሕቲ ሕትመት (1658)
                                                          • ስራሕቲ ምልላይ (83)
                                                            • ክራይ (737)
                                                              • መሸጣ (1182)
                                                                • ስራሕቲ ሓለዋን ሰኪዩሪቲ (93)
                                                                  • መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ (8589)
                                                                    • ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን (360)
                                                                      • መሳሪሕታት ቴሌኮሙኒኬሽን (25)
                                                                        • ጨርቃ መርቂን ውፅኢት ቆርበትን (831)
                                                                          • ናይ ትራንዚትን መጋዓዝያን ግልጋሎት (360)
                                                                            • ተሽከርከርትን ከበድትን ማሺነሪ (578)
                                                                              • መኽዝን (33)
                                                                                • ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ (237)
                                                                                  • ኣልሙኒየም፡ መስትዋትን ስራሕቲ ሓፂነ መፂን (267)
                                                                                    s