ጨረታ ብሬድዩ ዝተጋወሐሉ 18/1/2018 ብድምፂ ወያነ ትግራይ
ተደላይ ንብረት LID lamp 150 WAT ናይ ደገ መብራህቲ ባዉዛ ቀዳማይ ደረጃ መዓቀኒ ብቁፅሪ በዝሒ 150
1 ተጫረቲ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈሉን ናይ 2018 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘቅረበን ዝሐደሱን
2 ተጫረቲ ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ናይ መቅረባይነት መለለይ ካርዲ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
3 ተጫረቲ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ከቅርቡ ዝክእሉ
4 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ነሐሰ 2017 ዓም ናይ ግብሪ ኣካቢ አካል ሒሳብ ዝከፈሉ ምካኖም መረዳእታ ከቅረቡ ዝክእሉ
5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ብጥረ ገንዘብ 50000 / ሐምሳ ሽሕ ቅርሺ ወይ ዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ
6 ነብሰወከፍ ሰነድ ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን አማሊኦም ክመፅኡ ይግባእ
7 ጨረታ ዝሰዓሩ ተጫረቲ ዉዕል ንክኣስሩ ምስተአወጀ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቦም ናይ ዝሰዓርዎ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብምትሓዝ ዉዕል ናይ ምእሳር ግቡእ አለዎም
8 ሰዓርቲ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዕደጋ ዓርቢ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ንብረትን ፋይናንስን አታዊ ክገብሩ ዝክእሉ
9 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ንናይባዕሉ ዘፈር ካብ 9/2/2017 ዓም ክሳብ 22/1/2018 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከይዲ ስራሕ መዘጋጃዊ ኢቶት ክፍሊ ቁፅሪ 07 ዘይምለስ 1500 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ
10 እቲ ጨረታ 22/1/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዕደጋ ዓርቢ ክፍሊ ቁፅሪ 02 ይክፈት
11 ጨረታ ምስተከፈተ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ዕለት ን 10 መዓልቲታት ጥራሕ ይከዉን
12 እቲ ከይዲ ስራሕ ጨረታ ምስተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ኣቅሐ መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ
13 ፅሬት ኣቅሐት ዝምልከተ ኣቀዲሙ ዝነፀረ መርኣያ ወይ ቀዳማይ ደረጃ ኣቅሓ ብበዓል ሞያን ብኮሜቴን ብምርግጋፅ ቁብል ይከዉን
14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፍል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ድሕሪት