ምልክታ ግልፅ ጨረታ
ናይ ከተማ ሸራሮ ማያኒ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዳይሬክተር ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ናይ በጀት ዓመት 2018 ዓም ንናይ ሆስፒታልና ሰራሕተኛታት መመላለሲት እትውዕል ግልጋሎት ክራይ ሰርቪስ መኪና ግልጋሎት ክራይ ፅዕነት መኪና ብተወሳኪ ውን ንናይ ሆስፒታልና ንዘለዋና ኣናእሽተይ መካይን ፀገና ጋራጅን ብግልፂ ጨረታአወዳዲሩ ክካረይን/ክዕድግ ሰለዝደለየ
1 ናይቲ ዘፈር ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ዘለኩም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ ናይ 2018 ዓም ናይ ወርሒ ታሕሳስ ሒሰብ ዘወረዳደርሉ መረዳእታ ዲክለሪሽን ከቅርብ ዝክእልን
2. ንክራይ መኪና ናይ ባዓል መኪና ዋንነት ሊብሬ መረዳእታ ዘለኩም
3 ናይ ከፋሊ ግብሪ ቲን ናምበር ማለት እዉን መፍለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግበሪ ዘለኩም
4. ንክራይ መኪና ኢንሹራንስ ዘሎዎም ንክራይ ሰራሕተኛታት መኪና 44 ወንበር ዘሎዋ ልዕሊ 44 ዝሓዘት ተኮይና ድማ ብማዕረ ዋጋ ምስ 44 ወንበር ዘሎዋ ክወዳድር ዝክእል
5. ንክራይ ፅዕነት መኪና 35 ኩንታል ትፅዕን ልዕሊ 35 ኩንታል እትፅዕን ተኮይና ድማ ብማዕረ ዋጋ ምስ 35 ኩንታል ዘሎዋ ክወዳድር ዝክእል
6. ንክራይ መኪና ማለት ወን ንክራይ ሰርቪስ መኪናን ንክራይ ፅዕነት መኪናን ነዳድን ካልኦት ወፃኢታት በዓል መኪና ይሽፍን
7 ንመከበሪ ጨረታ 10000/ ዓሰርተ ሽሕ/ ቅርሺ ከምእዉን ተወዳዳራይ ሰዓራይ ኣብ ዝኮነሉ እዋን ካብ ጠቅላላ ዋጋ መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ማለት እዉን ስፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ከትሕዝ ዝክእል
8 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 11/11/2018 ዓም ክሳብ 28/11/2018 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ዳይሬክተር ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማይኣይኒ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ክፍሊ ክትወስዱ ንዕድም
9. ሰዓራይ ምካንኩም ምስተረጋገፀ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክትኣስሩ ትክእሉ
10. ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን 28/11/2018 ዓም ዓም ዓት 3:00 ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ብተመሳሳሊ 28/11/2018 ዓም ዓት 3:30 ቅድሚ ሰዓት ይከዉን
11. ኩሉ መረዳእታኩም ቅዳሕ ብምግባር ምስ ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ብምትሓዝ ዓሺግኩም ናብ ዳይሬክተር ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማይኣይኒ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ክፍሊ ኣብ ዘዳለዎ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ
12. ተወዳደርቲ ዝሰዓርክምዉ ንብረት ብናይ ባዕሎም መገዓዝያ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማይኣይኒ ንብረት ክፍሊ ከረክቡ ዝክእሉ
13. ቤት ፅሕፈትና ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
14. ኣብ ናይ ባዕልና መቅረቢ ዝርዝር ብፅሬትን ብንፁርን ክምልኣ ይግባእ
ድሕሪት