1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ማለት ቲን ናምበር ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ምዝገባ ሰርተፈኪት ናይ 2017 ዓም ናይ ወርሒ መጋቢት ሒሳብ ዘወራረደሉ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
4 በቲ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበን ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር ወረቅተ ዋናን ቅዳሕነ ከቅርብ ዝክእል
5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ መዓልቲ ቀዳምን ሰንበትን ካልኦት ባዓለት ሐዊሱ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ቢሮ ክፍሊ ዕቀባ ብዝተሐተተ ፅሬት መጠን ከቅርብ ዝክእል
6 ናይ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይቲ ትካል ሽምን ፊርማን ኣደራሻን ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክከዉን ይግባእ
7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ሰነድ ጨረታ ኣብ ንዘለዉ ዝርዝር ንብረት ንነብስወከፍ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 317 ምዉሳድ ይከኣል
8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ሰነድ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብሽም ቢሮ ፍትሕ ክልል ትግራይ ብስፒኦ ወይድማ ብግዜ ዘይተገደበ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናብ ቢሮና ተሓዚ ገንዘብ ወይድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእል ካብዚ ወፃኢ እቲ ዝቀርብ መከበሪ ጨረታ ካብቲ ዝተሐተተ ናይ ገንዘብ መጠን ዘትሓዘ ብዘይ ምንም ቅድመ ኮኑት ከብ ጨረታ ይሰረዝ
9 እቲ ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ 14/9/2017 ዓም ክሳብ 28/9/2017 ዓም ኮይኑ 28/9/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሪት ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት
10 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ናይቲ ዝዕደግ መጠን ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስከ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ
11 ሰዓራይ ነቲ ዘቅርቦ ንብረት ብባዕል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛ ምኮኑ ተረጋገፂ ጥራሕ ኣታዊ ይግበር
12 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344408714
ድሕሪት