ቤት መዘጋጃ ፈረሰ ማይ አብ 2017 ዓም በጀት ዓመተ ዝተፈለላዩ ዓይነት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ህንፃ መሳርሒ: ናይ ህትመት መሳርሒ : ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒን : ናይ ኤሌክትሮነክስ መሳርሒን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 በዚ ዘርፊ ናይ 2017 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዝሐደስኩም

2 ካብ ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኵም ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓም ሒሳብ ዘወራረድክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 መለለይ ከፋላይነት ግብሪ ዘለኩም

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ንሕድሕድ 150 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት መዘጋጃ ፈረስ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ፋይናንስን ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 1 ምዉሳድ ይከኣል

6 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ንነብስወከፍ 40000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ብባንክ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይድማ ስፒኦ አብ ኩነታት ዘይትመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ከትሕዝ ዝክእል

7 ሰዓራይ ጨረታ ምስትፈለጠ ኣብ ዉሽጪ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ዋና ንብረት ከቅርብ ዝክእል

8 ናይ ጨረታ ሰነድ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ 27/6/2017 ዓም ክሳብ 17/7/2017 ዓም ሰዓት 10 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ ቤት ዘመጋጃ ፈረስ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ፋይናንስን ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 1 ምዉሳድ ይከኣል

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክተእትዉ ትክእሉ ምካንኩም እናገለፅና ብክልተ ፖስታ ዋናን ቅዳሕ ኢልኩም ነንበን ክተእተዉ ይግባእ

10 ሰዓራይ እዚ ጨረታ ምስዓሩ ምስተገለፀ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ቤት ዘመጋጃ ፈረስ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ፋይናንስን ምምሕዳርን ከቅርብ ዝክእል

11 ተጫረቲ ዘይተማለአ ሰነድ እንተእቲዉ ዉድቂ ይከዉን

12 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 17/7/2017 ዓም ሰዓት 10:00 ድሕሪ ቀትሪ እንትከዉን ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ 18/7/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይከፈት

13 እዚ ዋጋ ን 40 መዓልቲ ዝፀንዕ ይከዉን

14 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ናይ ምቅናስን መሰል አለዎ

15 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0932202032

ድሕሪት
ጨረታ መደብ