ንዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ተወዳደርቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚርኩም ሰነድ ጨረታ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ምዉሳድ ትክእሉ
- ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈልኩምሉ ንግዲ ፍቃድኩም ዉን ዘሐደስኩም ምካንኩም ናይ መረጋገፂ ዋናን ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ
- ቲን ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ዋናን ምስዘይምለስ ቅዳሕ ክተቅርቡ ይግባእ
- በቲ ዘርፊ ኣቅረባይነት ዝተመዝገብኩም
- ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም
- ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2008 ዓም ዲክላራሸን ክተቅርቡ ይግባእ
- ተጫረቲ ናይ መክበሪ ዉሕስና 16,000 ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ክተትሕዙ ይግባእ
- ተጫረቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ብበዓልኩም መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን መቀለ ካልኣይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 206 ክተቅርቡ ይግባእ
- ተጫራታይ ዝጫረተሉ ዋጋ ኣብ ዝገዝኦ ዋናን ናይ ጨረታ ሰነድ መሊእኩም ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምግባር እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ 15 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልትታት ንዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ምእታዉ ይከኣል
- እቲ ቤት ፅሐፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ 20 ሚኢታዊ ካብ ዉዕሊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰል ኣለዎ
- ጨረታ ሰነድ እንትምለስ ናይቲ ትካል ሕጋዊ ማህተም፣ ፊርማ፣ ኣድራሻ ፣ሽምን፣ ቁፅሪ ስልክን ዘይቅርብ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
- ሰነድ ጨረታ ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ኣብ ካልኣይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 206 ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳደ ትክእሉ
- እቲ ተጫራታይ ኣብ ዝጫረተሉ ሰነድሓደ ዋናሓደ ቅዳሕ ነንበይኑ ዘቅርብን ብተዋሳኪ ነንበይኖም ብዝተዓሸገ ኮይኖም ኣብ ሕድሕድ ፖስታ Â ናይቲ ትካል ሕጋዊ ማህተም፣ ፊርማ፣ ኣድራሻ ፣ሽምን፣ ቁፅሪ ብምግባር ክልቲኡ ብሓደ ዓብዩ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ዓብዩ ፖስታ ናይቲ ትካል ሕጋዊ ማህተም፣ ፊርማ፣ ኣድራሻ ፣ሽምን፣ ቁፅሪ ብምግባር ምቅራብ ዝክእል
- ናይ ዝገዝኦ አቁሑ ስፐስፊኬሽን ምስ ሰነድ ጨረታ ተተሓሒዙ ይርከብ
- እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ዕለት 30 ግንቦት 2008 ዓም ሰዓት 9 ፡00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 9 ፡30 ሕጋዊ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
- ናይዚ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ 20 መዓልትታት እዮ
- ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት አብ ዉሽጢ 10 ተከታተልቲ ማዓልትታት ከቅርብ ይግባእ
- ተጫረቲ ንዝወዳደርሉ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ናይ ተጫራታይ ፊርማ ዘይብሉ እንኮይኑ ተቀባልነት የብሉን
- እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዊ እዩ
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344480062/63 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
ድሕሪት