ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ፅሬት ግልጋሎት ዝውዕል ፅሬት መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ የካቲት 21, 2017 (28 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 25, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:100,000
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ የካቲት 25, 2017 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ንሳልሳይ ግዜ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ፅሬት ግልጋሎት ዝውዕል ፅሬት መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም።

1) ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድን(ቲን ናምበር) ናይ ኣቅራባይነት ፍቃድን ዘለዎምን ኣድላዪ ዶክሜንትን ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ፡፡

2) ተጫረቲ ኣብ ዘእተውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ንፁር ዋጋ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንሸሎፕ ከቅርቡን ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዎ ጌጋ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኹም ብጥንቃቄ ክትመልኡ ይግባእ

3) ተጫረቲ ብማ/ተ/ሰ /ትግራይ መለስ ካምፓስ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 21/06/2017ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 25/06/2017ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ።

4) ተጫረቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስፐስፊኬሽን በቢ በይኑ ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ።

5) ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዓይነት ግልጋሎት ብዝተኣዘዘ ግዘ ፣ መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸዉን ይግባእ።

6) እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 25/06/2017ዓ/ም ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን ቅድሚ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ 4፡3ዐ ይክፈት

7) ናይ ጨረታ መኽበሪ 100,000 (ሓደ ሚኢቲ ሽሕ) ቕርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ

መለስ ካምፓስ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ።

8) ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 150(ሓደ ሚኢትን ሓምሳን) ቕርሺ ኣብ ናይ ትካልና

ፋይናንስ ብምኽፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።

9 ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ግልጋሎት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ግልጋሎት ክጅምር ይግባእ።

10) ተጫረቲ ናይ 2017 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ምስ ናይ 2016 ግብሪ ከም ዝከፈለ መራጋገጺ ሰነድ ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል ክኮውን ኣለዎ።

11) ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ኸዓ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ