ምልክታ ግልፂ ጨረታ 01
ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ፅሕፈት ን2017 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝውዕል ብርክት ዝበለ ብግልፂ ጨረታ | ከወዳድር ይደሊ በዚ መሰረት ሎት 1 ናይ መኪና ስፔር ሎት 2* መኪና ጎማ 1 ክዕድግን ካብ ሕጋውያን መቕረብቲ ብዘርፍ ዝተመዝገቡ ብ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ብምእሳር ክዕድግን ግልጋሎት ክንረክብን ስለዝደለየ ካብዚ ብታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ንክትረቱ ይዕድም።
ናይ ጨረታ ረቛሒታት
1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ /ብመምርሒ ሕደሳ ናይ ምሕዳሰ ግዚኡ ዘይሓለፎን ዘሐደሰን ሙሉእ ፃዕ ኮፒ መረዳእታ ኣተሓሒዙ ዘቕርብ።
2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑዕሪ( IIN NO) ዘለዎ ፣ ኣብ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ሙሉእ ገፅ ፎቶ ኮፒ ገይሩ ኣተሓሒዙ ዘቕርብ።
3. ኣብ ናይ ፅሬት ግልጋሎት ተወዳደርቲ ዝኾንኹም ዝተሓደሰ ደቀቅቲን ኣናእሽተይን ማእኸለወትን ወረቐት ምስክር ዘቅርብ።
4. ናይ ጨረታ መኸበሪ ቢድ ቦንድ ንሕድ ሕድ ጨረታ ሎት 15000.00 /ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ብር / ብሽም ቤት ዕሕፈት ቤት ምኸሪ ክልል ትግራይ ዝተረጋገፀ CPO ኣብ ረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ኣለዎ፡
5. ዋጋ ዝመልእሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብቤት ፅሕፈትና ብዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ እዩ
6. ዋጋ ዝመልአለ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ሒሳብ ክፍሊ ንሕድ ሕድ ጨረታ ሎት ዘይምለስ ብር 100.00(ሚእቲ ብር)ጥራሕ ብምኽፋል ካብ ዕለት 06/02/2017 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 20/02/2017 ዓ.ም ናይ ቅ/ሰዓት ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ይከኣል።
7. ናይ ጨረታ ዶክሜንት ተመሊኡ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነኒበይኑ ብፖስታ ተዓጂጉ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምም/ር ቢሮ ቁፀሪ 08 ክሳብ ዕለት 20/02/2017ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ድ/ሰዓት ከእትው ይክእሉ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ቅ/ሳዓት ተዓሽጉ በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለውሉ ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅ/ሳዓት ይኽፈት መቕረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘይተረኺቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ፖስታ ንምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
8. ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፍ ተወዳዳራይ ሎት 1 ናይ መኪና ስፔር ሎት 2 መኪና ጎማ ፣ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ክሳብ ነሓሰ 30/2016ዓ/ም ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቕርብ ፡
9. ተጫረቲ ንዝሰዓሩዎ ዓይነት ንብረት ብናይ ባዕሎም መዕዓኒ መራገፊ መጓዓዓዚን ናብ ቤት ፅሕፈትና ብውዕሎም መሰረት ኣታዊ ዝገብሩ፡፡
10.ዋጋ ዐኒዑ ዝፀንሓሉ ግዘ ጨረታ ካብ ተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን45 መዓልቲ ጥራሕ እዩ።
11. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉዝተሓለወ እዩ።
12. ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ኣብ ዝመርዐሉ እዋን ካብቲ መጀመርያ ንክግዛእ ዝወፀ በዝሒ ኣቕሓ ዋጋ ክሳብ 20%( ዒሰራ ሚኢታዊ) ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቕሓ ናይ ምቅናሰ ወይ ናይ ምውሳኸ መሰሉ ሕሉው ከም ዝኾነ፡፡
13. ነቲ ዝተጫረቶ ንብረት ሙሉእ ውሕስና ክህብ ዝኽእል
14. ንዘድሊ ሓበሬታ ☞ - 03 44-41 65 70 /0945825857/09147428 "
ድሕሪት