1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም
2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ መረዳአታ ከምእዉን
3 ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል
4 ምዝገባ ምስክር ወረቀትተወሰክቲ እሴት ታክስ ክተቅርቡ ከቅርብ ዝክእል
5 መክበሪ ጨረታ 20000 / ዒስራ ሽሕ ቅርሺ / ብመልክዕ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ
6 ሰነድ ጨረ ፋይናንሻልን ዋናን ቅዳሕን ብክልተ ፖስታ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 42 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ
7 እቲ ጨረታ ዕለት 16 መስከረም 2016 ዓም ጀሚሩ ን15 መዓልቲ ኣብ አየር ዝፀንሕ እንትከዉን ዕለት 30/1/2017 ዓም ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ይክፈት
8 ተወዳዳይ ትካል ብዝተዉሃቦ ዝርዝር መሰረት መወዳደሪ ትክክለኛ ከቅርብ ዝክእል
9 ኣብ መወዳደሪ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከይሓወሰ ዘቅርብ ተጫራታይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሐወሰ ተገይሩ ይዉስድ
10 ተጫራታይ ብዝርዝር መዓቀኒ መሰረት እተሰዒሩ ኦርደር ካብ ዝተዉሃቦ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ሰዓራይ ትካል ዉዕሊ መከበሪ 10 ሚእታዊ ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዝሰዓሮ መጠን ገንዘብ ክትሕዝ ዝክእል
11 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ
12 እቲ ቢሮ ኣድላይ ኮይኑ እንተረኪቡዎ ካብቲ ጨረታ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ
13 ኩሎም ጨረታና ብመምርሒ ስርዓት ዕደጋ ክልልና ትግራይ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 መምርሒ ቁፅሪ 04/2007 ተፈፃሚ ይከዉን
14 ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344404715
ድሕሪት