ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንስራሕቲ ፕሮጀክት ተገልግል ሓንቲ ሞተር ሳይክል ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መስከረም 11, 2017 (9 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 14, 2017 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መስከረም 14, 2017 09:00 ደ/ሰዓት
  • ዕድጊት ሞተርሳይክል/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንስራሕቲ ፕሮጀክት ተገልግል ሓንቲ ሞተር ሳይክል ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዘምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ወይ IOI ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2016 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ዝድለ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ትካልና ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፡፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ጊዜ ገደብ ኣታዊ እንተዘይገይሩ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም፡፡

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

8. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

10. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 14/01/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤ ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡

ድሕሪት
ጨረታ መደብ