ኤጀንሲ ድጅታል ትግራይ ንዘለና ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ኤጀንስና ፋይል ካብኔትና በሪ ቁልፊ ንምቅያር 1 ምቅራፅን ናይ ጠረጴዛ ድሮወር ቁልፊ ምቅያርን ምፅጋን ንሰብ ሞያ ኣካላት ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክኣስር ስለ ዝደሊ ፡፡

ዕለት: 09/01/2017 ዓ/ም 

ምልክታ ዋጋ መቅረቢ/ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 01/2017

ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ዝርዝር ተደላይ ናይ ፅገና ስራሕቲ ነጋዶ ዝመልእዎ መወዳደረ ነፀላ ዋጋ ዘርኢ ሰደቓ ነዚ ቅጥዒ ዝመለአ ነጋዳይ

ቁፅሪ: ፕሮ-14/01/17

ኤጀንሲ ድጅታል ትግራይ ንዘለና ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ኤጀንስና ፋይል ካብኔትና በሪ ቁልፊ ንምቅያር 1 ምቅራፅን ናይ ጠረጴዛ ድሮወር ቁልፊ ምቅያርን ምፅጋን ንሰብ ሞያ ኣካላት ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክኣስር ስለ ዝደሊ ፡፡ በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ፡፡

➢ በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ፣

➢ ናይ ግብሪ ክፈላይ ቁፅሪ/IN/ ዘለዎ ምኻኑ መረዳእታ ዘቕርብ ፣

➢ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል፡፡

➢ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተለጠፈሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3' መዓልቲ ናብ ኤጀንስና ብምቅራብ ንግዲ ፍቓድኹም፣ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁዕርኹምን ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐትኩምን ኮፒ ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኸእሉ ምኳንኩም እናገለፅና መወዳደሪኹም ሽምን ፊርማን፣ ኣድራሻን ናይ ትካልኹም ማህተምን ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 09/01/2017 ዓ/ም ክሳብ 13/01/2017 ዓ/ም ሰዓት 9፡30 ድ/ሰዓት ክተቕርቡ/ክትወዳደሩ ትኽእሉ፡፡

➢ እቲ ፕሮፈርማ ዕለት 13/01/2017 ዓ/ም ሰዓት 10፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ኤጀንሲ ድጅታል ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 1-06ይኸፈት፡፡

➢ ኤጀንስና ዘዳለዎ ኣብ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ክምላእ ይግባእ፡፡

➢ እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፈርማ እዙይ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ኤጀንሲ ድጅታል ትግራይ ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኮይኑ ከምዘገልግልክትፈልጡ ይግባእ፡፡

➢ ኣብ ዝቐረበ መምልኢ ሕድሕደ ዋጋ ሰዓራይ ሓደ እንተዘይኮኑ ድምር ጠቅላላ ዋጋ ብምርኣይ ሰዓራይ ይፍለ፡፡

➢ ኤጀንስና ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

➢ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ተራእዩ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን፡፡

➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342400527 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል።

ኣድራሻመቐለ ዓዲ ሓቂ ደጀን ቢሮ - ቢሮ ቁጥር 1-06

ድሕሪት
ጨረታ መደብ