ምልክታ ፕሮፎርማ ነሓሰ - 2016 ዓ.ም
ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ክልል ትግራይ ኮምፒተርን ተዛመድቲን ዕገና ግልጋሎት ንምርካብ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ናይ ዓመት ውዕሊ ክአስር ይደሊ፡፡
በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቛሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም
• በቲ ዘርፊ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ መቕረባይነት ክተቕርቡ እትኸእሉ፡፡
• ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ክተቕርቡ እትኸእሉ፡፡
• ተጫረቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ሓበራዊ ህንፃ 1ይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ካብ ዕለት 07/12/2016 ብምውሳድ ዋጋ መሊእኹም ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ ዕለት 10/12/2016 ስዓት 3፡00 ናብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ዝተዳለወ ሳፁን ኣታዊ ክትገብሩ ትኽእሉ፡፡ እቲ ፕሮፎርማ ስዓት 3፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 3፡30 ይኸፈት፡፡
• እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን፣
• እዚ ፐሮፎረማ ኣብ መንጎ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንሰትራክሽንን መቕረባይን ከምውዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡
• ስዓራይ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ውሽጢ 3 ስራሕ መዓልቲ ኮምፒተርን ተዛምድቲን ፅገና ንምግባር ናይ ዓመት ውዕሊ ዝአስር፡፡
• ቢሮና እቲ ፕሮፎርማ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-42-40-01-29 ምሕታት ይከኣል፡፡
ዝርዘር ዝዕገን ስርቪስ ዝግበር
ተ.ቁ | ዝርዝር መገሰፂ | ስፐስፊኬሽን | በዝሒ | መቀኒ | ናይ ሓደ ዋጋ | |
---|---|---|---|---|---|---|
ብር | ሳን | |||||
1 | ዲስክቶፕ ኮምፒተር | ፅገና | ቁፅሪ | 1 | ||
ሰርቪስ | ቁፅሪ | 1 | ||||
2 | ላፕቶፕ ኮምፒተር | ፅገና | ቁፅሪ | 1 | ||
ሰርቪስ | ቁፅሪ | 1 | ||||
3 | ፕሪንተር | ፅገና | ቁፅሪ | 1 | ||
ሰርቪስ | ቁፅሪ | 1 | ||||
4 | ፎቶ ኮፒ | ዕገና | ቁፅሪ | 1 | ||
ሰርቪስ | ቁፅሪ | 1 | ||||
5 | ስካነር | ፅገና | ቁፅሪ | 1 | ||
6 | ቢመር | ፅገና | ቁፅሪ | 1 | ||
ድምር |
NB:- ድምር ውፅኢት ዝተሓተ ስዓራይ ይኸውን
ዝመልአ ድርጅት ስም_________ ፌርማ __________
ድሕሪት