ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንቲ ቢሮኡ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኮምፒተራትን ተዛመድቲ ኣቁሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ንተወዳደርቲ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 5, 2008 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 25, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሚያዝያ 25, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • ኮምፒተርን ተዛመድቲ /
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1.  ናይዚ ዘበን ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩምን

2.  መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ

3.  ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ለካቲት 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን

4.  ዝተሐደስ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን

5.  መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ 10,000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ

6.  ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ንዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስረሕ ዕደጋ ቁፅሪ ቢሮ 42 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ

7.  እቲ ጨረታ ካብ 7 ሚያዝያ 2008 ዓም ጀሚሩ ን15ተ መዓልቲ አብ ኣየር ዝፀንሕ እንትከዉን 25 ሚያዝያ 2008 ዓም ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት

8.  ጨረታ ዝሰዓረ ትካል ብዝተዉሃቦ መዐቀኒ ረቋሒ መሰረት ዘቅርብን መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከቅርብ ይግባእ

9.  ኣብ መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከይሓወሰ ዘቅርብ ተጫራታይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰሉ ይዉሰዱ

10. ተጫራታይ ብመዐቀኒ ረቋሒ መሰረት ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ ሰዓራይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቢሮ ሓለወ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይገብር

11. ሰዓራይ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ኮምፒተርን ተዛመድቲ ኣቁሑትን ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ኣታዊ ዝገብርን ዉሕስና ንዘድልዮም ኣቁሑት ድማ ዉሕስና ከቅርብ ዝክእል

12. ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቁፅሪ ቢሮ 42 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

13. ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኣብ ነፍስወከፍ ንብረት 20 ሚኢታዊ ክዉስክን ወይ ክንክን ይክእል እዩ

14. ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲ ባዕል እንተዊዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፍት ይከዉን

15. ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ዝሓሸ ኣመራፂÂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታÂ ብቁፅሪ ስልኪ 0914733312 /0914763435 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

Â

ድሕሪት
ጨረታ መደብ