ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ካብ ናይ መደበኛ በጀት 2016 ዓም ንቤት ዕዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ሞተርሳይክላት: መሳርሒ ፅሕፈትን: ፍርናሽን አወዳዲሩ ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ክዕድግ ይደሊ

1 ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ ፋቃድ ንግዲ : መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ: ኣብ ተወሳክ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ:  ኣብ ዉሽጢ ዝሐለፈ ሰለሰተ ኣዋርሕ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ከምእዉን ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

3 ተጫረቲ ንፍርናሽ ተወሳኪ እሴት ታክስ ኣይግድን

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ንሕድሕድ ሎት ኣብ ሸረ እንዳስላሴ ካብ እንዳኣቶ ጃንቦ ህንፃ ቀበሌ 02 ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ዝተካረዩ  ቢሮ ቁፅሪ 03 ካብ 16/8/2016 ዓም ክሳብ 2/9/2016 ዓም ምዉሳድ ዝክእሉ

5 እዚ ማለት ሞተርሳይክላት ሎት ሐደ ሎት ክልተ መሳርሒ ፅሕፈት ሎት ሰለሰተ ፍርናሽ መከበሪ ጨረታ ንሎት ሐደን ክልተን 10000 /ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ / : ንሎት ሰለሰተ 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ / ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ቅድም ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ዝክእሉ

6 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 2/9/2016 ዓም ሰዓተ 4:00 ቅድሚ ቀትሪ እንትከዉን ዝክፈተሉ ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቅድሚ ተወዳርቲን ወይ ተዓዘብትን ኮይኑ ተወዳደርቲ በዘይምርካብም ናይቲ ጨረታ ስነ ስርዓት ኣይተኣጎጎልን

7 ተጫረቲ ሰዓርቲ ኮይኖም ምስተረከቡ ካብ ዝሰዓርዎ መጠን ገንዘብ 10 ሚእተዊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ብምትሓዝ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓለቲታት ስራሕ ዉዕሊ ኣሲሮም ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታታልቲ መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝይ ኣብ ሽረ እንዳስላሴ ኣቶ ጃም ገብረ ህንፃ ቀበሌ 02 ቤተ ፅሕፈትልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ክፍሊ ቁፅሪ 03 ብበዓል ሞያ ፈቲሾም የረክቡ

8 እቲ ቤት ፅሐፈት ካብ ሕድሕድ ዓይነት ንበረት 20 ሚእታዊ ምዉሳክ ወይድማ ምቅናስ ይክእል እዩ

9 ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ 20 መዓለቲ ይከዉን

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0914190333 / 0914770193

ድሕሪት
ጨረታ መደብ