ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ዓዲግራት 2008 ዓም በጀት ዓመት ግልጋሎት ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ የካቲት 2, 2008 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ የካቲት 10, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ: ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ የካቲት 10, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • ዕድጊት መኪና/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ተጫረቲ ናይ 2008 ዓም ንግድ  ፍቃድን ግብሪ ዝከፈሉን ቲን ናምበርን መቅረባይነትን ዝተሐደሰ ኦርጅናል ኣብ ዉዕሊ ምእሳር ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ተጫረቲ ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስሉ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፅሕፈት ዝተዉሃቦም ናይ ኦርጅናል ኮፒ

3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ተሳተታፊ መለለይ መረዳእታ ቲን ቁፅሪ ምዝገባ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፅሕፈት ዝተዉሃቦ ናይ ኦርጅናል ኮፒ

4 እቲ ዝቀርብ ዝርዝር ዋጋ ኦርጅናልን ኮፒን ነኒ በይኑ ብክልተ ፖስታ ተዓሺጉ አብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ፖስታን ማህተምን ፊርማን ዝዓረፎ ከቀርብ አለዎ ዘየቅረበ ተጫራታይ ተወዳዳሪ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይኮኑ

5 ተጫረቲ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ናይ ኦርጅናል ፎቶ ኮፒ ከቅርቡ አለዎም

6 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ መክበረ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ /CPO/ ወይም ብጥረገንዘብ ብር 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ/ ከትሕዙ ዝክእሉ

7 ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50 እናከፈልኩም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ 27/ 05/2008 ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ቤት ፅሕፈት ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ይከዉን

8 ተጫረቲ ናይ መወዳደሪ ዋጋ ዝግልፅ ዕሹግ ፖስታ ካብ ዕለት 27/05/2008 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 10/ 06 /2008 ዓ/ም ዘሎ ንተከታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ዓዲግራት ግልጋሎት መስተ ማይ ቤት ፅሕፈት ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ይከዉን

9 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 10/ 06 /2008 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ዝክፈተሉ ዕለት 10/ 06 /2008 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ዓዲግራት ኮይኑ ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ኮይኑ ግና እቶም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከለቶም አብቲ መክፈቲ ሰዓት እንተዘይተረኪቦም ቤት ዕዩና እቲ ጨረታ ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ንተወሳኪ መረዳእታ ኣብ ናይ መምርሒ ተጫረቲ ዝተዳለወ ዝርዝር ምርኣይ ይከኣል

11 ተጫረቲ ዘእትዎ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝትከፈሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ቀፂሉ 30 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝፀንዐ ይከዉን

12 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ዓዲግራት ንብረት ክፍሊ እቲ ንብረት አታዊ ክገብሩ አለዎም

13 እቶም ዝቀረቡ ኣቁሑት ኦርጅናል 1ይ ደረጃ በቲ ስፔስፊኬሽን እንተዘይኮይኑ ንብረት መቅረቢ አካል ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ተመላሽ ጌሩ ኦርጅናል 1ይ ደረጃ በቲ ስፔስፊኬሽን ከምፅእ ይግባእ

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይከኣ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስቁ 0344450106 ወይ ድማ 0344452872 ምሕታት ይከኣል  

ድሕሪት
ጨረታ መደብ